Unsearchable/ unfathomable/ inscrutable
ዝቕወር [ቈር]፡ ቆር፡ ዝዓመቘ ክፍሊ ማያዊ ኣካል ኢዩ። 

Definition:

[ንመብርሂ፡ ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ጋወ ኣብ እንብሎ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ዓበይቲ ጐቦታት ዝዓቊር ማይ፡ ክንሕምብስ ከለና፡ ዕምቈቱ ማዕረ ስለ ዘይኰነ፡ ኣብ ምሉእ ክፋል እቲ ዕቋር ማይ ሓንቲ ዝዓመቘት ክፍሊ ኢያ እትህልዎ። ነታ ዝዓመቘት ክፍሊ ቆር ኢልና ንጽውዓ። ንዝዀነ ተባዕ ወይ ነዊሕ ዝቚመቱ ሓንባሲ ኣቚረለይ ክንብል ከሎና፡ ነቲ ዝዓመቘ ክፍሉ ግዳ ብጽሓዮ ማለትና ኢዩ። ስለዚ “ምስጢር ተሰግዎ ዝእመን እምበር፣ በእምሮ ዝቕወር ኣይኰነን።” ክንብል ከሎና፡ ኣእምሮና እቲ ጥልቂ ምስጢሩስ ኣይብጽሓን ኢዩ ንምባል ኢዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ድማ፡ ንመረዳእታ ክዀነና ዝኽእል፡ ኣብ ኤፈሶን 3፡7 ኣብታ “እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ፡ እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ።” እትብል ሓረግ፡ እቲ “እቲ ዘይምርመር” ተተርጒሙ ዘሎ፡ ‘ዘይቅወር ወይ ከተቚሮ ዘይክኣል= “Unsearchable”፡ “unfathomable” ወይ “inscrutable.” ማለት ኢዩ።]