1. ዕድመ ሳራ ድማ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ዓመት ኰነ፡ እዚ እዩ ዓመታት ሳራ።

2. ሳራ ኣብ ቂርያት-ኣርባዕ፡ ንሳ ኬብሮን ኣብ ምድሪ ኸነኣንሞተትኣብርሃም ድማ ንሳራ ኺሐዝነላን ኪበኽየላን መጸ

3. ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ እታ ምውትቱ ተንስኤንደቂ ሔት ድማ፥

4. ኣነ ኣብ ማእከልኩም ጋሻን መጻእተኛን እየ። ነዛ ምውትተይ ካብ ቅድሚ ገጸይ ዝቐብረሉ ርስቲ መቓብር ምሳኻትኩም ሀቡኒ፡ ኢሉ ተዛረቦም።

5. ደቂ ሔት ድማ ንኣብርሃም

6. ጐይታይስምዓና፡ ንስኻ ኣብ ማእከልና ናይ ኣምላኽ መስፍን ኢኻ። ካብ መቓብርና ሐሪኻ ምውትኻ ቕበር። ካባና ሓደኳ ምውትኻ ንምቕባር መቓብሩ ዚኸልኣካ የልቦን፡ ኢሎም መለሱሉ።

7. ኣብርሃም ከኣ ተንሲኡ ንህዝቢ እታ ሃገርንደቂ ሔትሰገደሎም

8-9. ንምውተይ ክቐብር ፈቒድኩምለይ እንተ ዄንኩምሲስምዑኒንዔፍሮንወዲ ጾሓርእታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ በዓቱ ኺህበኒ እሞ ንርስቲ መቓብር ኣብ ማእከልኩም ብምሉእ ዋጋ ኺህበኒ ለምኑለይ፡ ኢሉ ተዛረቦም

10. ዔፍሮን ከኣ ኣብ ማእከል ደቂ ሔት ተቐሚጡ ነበረ። ዔፍሮን፡ እቲ ሔታዊ፡ ድማ ኵሎም እቶም ብኣፍ ደገ ኸተማኡ ዚአቱ ደቂ ሔት እናሰምዑ ንኣብርሃም

11. ኣይፋልካን ጐይታይስምዓኒ ደኣ፡ እታ ግራት እህበካ፡ እታ ኣብኣ ዘላ በዓቲ ድማ እህበካደቂ ህዝበይ እናረአዩ እህበካ አሎኹ፡ ምውትኻ ቕበር፡ ኢሉ መለሰሉ።

12. ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እታ ሃገር ሰገደ

13. ንዔፍሮን ድማ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር እናሰምዑ፡ እንተ ትሰምዓኒ ዀታ፡ ኣነ ዋጋ እታ ግራት ክህብ፡ ካባይ ውሰድ እሞ ምውትተይ ኣብኣ ክቐብርኢሉ ተዛረቦ

14. ዔፍሮን ድማ ንኣብርሃም

15. ጐይታይስምዓኒ ደኣ፡ ናይ ኣርባዕተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር ምድሪ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እንታይ እያ፧ ምውትኻ ግዳ ቕበር፡ ኢሉ መለሰሉ።

16. ኣብርሃም ድማ ንዔፍሮን ሰሚዑ፡ እቲ ዔፍሮን፡ ደቂ ሔት እናሰምዑእተዛረቦ ዋጋ፡ ከምቲ ኣብ ነጋድ ዚተሓላለፍ ዝበለ ኣርባዕተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር መዘነሉ

17. በዚ ኸምዚ ኸኣ እታ ኣብ ማክጴላኣብ መንጽር መምሬ ዝነበረት ግራት ዔፍሮን፡ እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን፡ ኣብታ ግራትን ኣብ ዙርያኣ ኣብ ዘሎ ዅሉ ዶባን ዝነበረ ኣእዋምን

18. ደቂ ሔት እናረአዩ ኣብ ቅድሚ እቶም ብደገ ኸተማኡ ዚኣትዉ ዅሎም ገንዘብ ኣብርሃም ኰይኑ ቘመ።

19. ድሕርዚ ድማ ኣብርሃም ንሰበይቱ ሳራ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላኣብ መንጽር መምሬ፡ ንሳ ኸኣ ኬብሮንኣብ ምድሪ ኸንኣን ቀበራ

20. እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን ድማ ካብ ደቂ ሔት ንኣብርሃም ርስቲ መቓብር ኰይና ቘመት።