ብደገ ደገ፣ ኣብቲ እግሪ
ርእየ፣ ዚዕድመኒ ነገር
ዚማርኽ ዜብህግ ትርኢት ኣይረኸብኩን
አረ ንኺገርመኒ
ዋጋ ሂበ ክትምኖ
ሓሊነ ብደመት ትርኢቱ
እንተገመትኩ ብኣንፊ ክመዝኖ
ካብ መዛኑ እምብዛ ፈኾሰ
እቲ ውቃበ ጋሻ ኾነኒ
ከምቲ ትፋእ ንዮ በልኩዎ
ሕልፊ ሞት ሕልፊ ስቓይ …
ዚረአ’ይነበረን ውኖይ ዚምስጥ ዚፋቕየኒ።
ምስ’ዚ ኹሉ ዜጋይሽ ሓሳብ
መጎተ ነበረ፣ ዚሳቒ ሕልናይ
ሕልፊ ዝፈልጦ መላእኩ
ብርትዒ ውሽጠይ ተገላበጠ
ነዒንተይ ካብ ደገ ደገ
ካብቲ ኹሉ ዚማርኽ ምስ መለስኩ
አረ ኣበይ ነበርኩ!
እዚ ውቃበ ከመይ ሓለፈኒ
በለ ውሽጠይ፣ ምልኣት መሊኡ
ልግስ ቢለ ንኸረን ምልዋጥ ተዓዚረ፤
ዝያዳ ብሂገ
ክቕኒ፣ ቤተይ ክተክል ዋላ’ንተኾነ ቤት ዳስ
ህይወት መቀረኒ፣ ኣብቲ ዘመን ኣልቦ
ኣብ ቋሕ ሰም ምልኣት ርኤኹ
ለካ ቆላሕታ ጽባቐ
ውቃበ እቲ ልዑል
ምልኣት’ዩ ዕዮ ዘለኣለም
እምበኣርከ ሓቁ’ዩ እቲ ቕኔ
ተቐናዪ ዝለመኖ ናይ ሓዋሩ ናይ መንፈስ ሃረርታ
መቕደስ ልዑል ኪምርምር
ውቃበ እዝግሄር ኪርኢ ኺነብር
ነፍሰይ ህይወት ጻድቕ ትንበር
ኣነውን መሪጸ ኣብ ምልኣት
ኣብ ውቃበ’ቲ ልዑል
መዋእል ኣሕሊፈ መዋእል ክነብር።
“ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ፣ ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር እደሊ ኣለኹ።”
መዝ 27.4