ህጻናት ኢና ዕሸላት
ገለ ዘይንፈልጥ
ክንዓቢ ንደሊ ብትምህርቲ ሰንበት
ክንመሃር ታሪኽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ
ነቲ ዓቢ ስሙ ክንዝምር ክንውዳስ
ክንሕዝ ክንክተል ‘ቲ ቅኑዕ ጎዳና
ኣምላኽ’ውን ክኸብር ባህ ክብሎ ብኣና።
ህጻናት ኢና’ሞ
መን’ዩ ዝምህረና?...
መን’ዩ ዝመርሓና?...
ኣእዳውና ጨቢጡ ዘብለና ታተ
ዝኹስኩስ ዘዕቢ ከም ኣቦ ከም ኣደ
መገድኻ ዘርኢ ዝስጉም ምሳና
ኣብ ልብና ኣትዩ ሓጎስካ ዝህበና
ዎ ኣምላኽ ...
ለኣኸልና መምህር
ንዓና ብምምሃር ንዓኻ ዘኽብር።
ኩሉ ተረዲኡ ዝመርሕ ብፍቕሪ
ኣርኣያ ዝህበና ነቲ ናትካ ባህሪ
ከማኻ ዝልውህ ዝሓቁፍ ዝባርኽ
መዝሙር ዝምህረና ዝነግረና ታሪኽ
ዎ ኣምላኽ ...
ለኣኸልና መምህር
ንዓና ብምምሃር ንዓኻ ዘኽብር።
“ንእሽቶ ህጻን ኣብ ትምህርቲ ሰንበት
ልቡ ትሓጒሱ ክዝምር ክጻወት
ክመሃር ክዓቢ ብቕዱሳት ታሪኽ
ክንደይ ኮን ይትንክፍ ልቢ ልዑል ኣምላኽ!!”