መቸም ሓደ ካባና ብዘይተሓጽበ ወይ ቅድሚ ሕጂ ሰብ በሊዑ ወይ ሰትዩሉ ብዝጸንሐ ኣቕሓ ክጥቀም ወይ ክግልገል ዝደሊ ከም ዘየለ ርጉጽ እዩ። ገሌና እሞ ነታ ጽርይቲ እትመስል ኣቕሓ፡ ኣጸቢቕና ብኹሉ ሽነኻ ጽርይቲ ምዃና ኣረጋጊጽና ኢና ምጥቃም ንፈቱ። እዚ ኣምላኽ ከምኡ ጌሩ ዝፈጠረና ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ሳዕ ጽሩይ ነገር ክንደሊ ባህሪ ናይ ሓደ ጥዑይ ሰብ አዩ። ኣምላኽ ከኣ ምጥዓይ ናይ ስጋና ጥራይ ዘይኮነ፡ ምጥዓይ ናይ መንፈስና ውን ስለ ዘገድሶ ብንብረትና ንምኽንያት በረኸት እምበር ንሰብ ከይነሕምም ኩሉ ግዜ ይምዕደና ኣሎ። ኣብ ኤፌሶን 5:25-27 ኣምላኽ ማዕረ ክንደይ ጽሩይ ነገር ከም ዝፈቱ ክገልጸልና ከሎ፣ “ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ።” ኣምላኽ ብመንፈሳዊ ሂወትና ከምኡ ኣዚና ጽሩያት ክንከውን፥ በቲ መንቅብ ዘይነበሮ፥ ብኹሉ ንብረቱ ጽሩይ ዝኾነ ደም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጌሩ ሓጸበና። ስለዚ ምሕጻብ ማይ ዝብለና ዘሎ፥ ከምቲ ንሕና ካልእ ፈሳሲ ዘይንጥቀም፡ ኣምላኽ ውን ንኸጽርየና ካብ ወዱ ዝበልጽ መጽረዪ ከም ዘየለ የረድኣና ኣሎ። መሊሱ ውን ኣብ ቆሎሴ 1:28 “ንሕና ድማ፡ ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ ጌርና ኸነቝሞ፡ ብጥበብ ዘበለ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፡ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና ንነግር አሎና።” እንዳበለ ሰብ ብዘይ ክርስቶስ ብገዛእ ርእሱ ምሉእ ወይ ንኣገልግሎት ዝበቅዕ ፍረ ክህልዎ ከምዘይክእል የነጽረልና ኣሎ።
ፈሪሳውያን ኣብቲ ናይ ዝባን ዋንጫን ጻሕልን ኣዝዮም ውሕሉላት ከም ነበሩ፥ እቲ ውሽጣዊ ንጽሕናኦም ኣዝዩ ረሳሕ ስለ ዝነበረ ግን ካብ ጎይታ ፍርዲ እምበር ናእዳ ከም ኣይተቐበሉን። እቲ ኣገልግሎቶም ምልስ ኢልና እንተርኢናዮ፥ ብደጊኡ ኣዝዩ ዘገርም አዩ፡ ምኽንያቱ ዕሽር ዝህቡ፥ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ዝጽልዩ፡ ነቲ ሕጊ ውን ንነዊሕ ሰዓታት ዝምርምሩን ካልእን ስለ ዝነበሩ። ክሓልፉ ከለዉ ርኢኻዮም ከቢድ ጾር ዘለዎም ይመስሉ፣ ጎይታ ግና “ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም፡ ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን።” ማቴ23:4 ክብል ኣምላኽ ዝፈልጦ ወይ ብኡ ዝዝከር ጾር ከምዘይብሎም እንዳነነቐፈ ካብኦም ክንጥንቀቕ ይምዕደና። እምበኣር እቲ ቀንዲ ጠንቂ ውድቀት ናይዞም ፈሪሳውያን፡ ጻዕሪ ዘይኮነስ፡ ሃቐና ናይቲ ጻዕሮም እዩ። ጎይታ ብዘይ ብኡ ገለ ክንገብር ከም ዘይንኽእልን ኣብ መዓልታዊ ሂወትና ውን ኣብ ትሕቲ እግሩ ተቐሚጥና ክንመሃር ይምዕድ። እቲ ፈሪሳዊ ግና በቲ ኣምላኽ ሓንሳእ ብሉይ ዝገበሮ ንብረት እንዳተቀመ፡ ሕግታት እንዳመርመረ፡ ኣብ ክንዲ ዝረዊ መሊሱ ብጽምኢ የሕለሉ እሞ ንሱ ኣይሰቲ ንኻልኦት ኣየስቲ።
ኣምላኽ እምበኣር መዓረ ክንደይ ንውሽጣዊ ጽሬትና ከም ዝብህጎ ነስተብህል። እቲ ክንግልገለሉ ወይ ከነገልግለሉ ዝጸናሕና ኣቕሓ ሓንሳእ ምስ ተገልገልናሉ፥ እንደገና ምእንታን ከገልግለና ሓጺብና፡ ኣንቂጽና ኣብ ስፍርኡ ነቐምጦ እምበር ኣይንጉሕፎን። ኣምላኽ ከኣ ኣብቲ ኣገልግሎትና ኩሉ ግዜ ተደለይትን ተቐምትን ክንከውን፡ ብመንፈሱ ኩሉ ግዜ ክሓጽበና ኣብ ቅድሜኡ ትሕት ክንብል ይደሊ። ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ትህኪትና ዝተላዕለ፡ ተሃዊኽና ብዘይጸረየ ኣቕሓ ንሰባት ነገልግል እሞ ኣብ ክንዲ ንጽጋብን ንጥዕናን፡ በቲ ኣብኡ ዝጸንሑ Germs ንተመገብቲ ኣደዳ ሕማም ንገብሮም። እቲ ቓሉ ኩሉ ግዜ ጽሩይ እንከሎ፥ እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈስዊ ኣገልግሎትና ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይተሓደሰ ግን፡ ካብቲ ጽሩይ ቃል ገለ እንዳወሰድና፡ ካብቲ ዘይጸረየ ናትና ከኣ እንዳሓወስና ንሰባት ነሕምም። ጎይታ ሓደ እዋን ሰባት እንጌራ በሊዖም ከንግስዎ ምስ ደለዩ፥ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ከም ዘግለሰን ድሕሪ ብብሕቱ ምስ ኣቦኡ ምዝርራቡ ተመሊሱ ንዕኦም ዝኸውን ናይ ተግሳጽ ቃል ከም ዝሃቦም ኣብ ወ. ዮሃንስ 6 ይነግረና። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ወትሩ ናይ ሎሚ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ እምበኣር፡ ሎሚ ክንጽሊ፡ ሎሚ ብቓኡ ክንሕጸብ ይደልየና። ከምቲ ነተን ንዝዓበያ ውህበት ጸዓቱ ዝብለና፥ ክቡር ኣቕሓ ምግዛእ ውን ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፥ ምጽራዩ ግን እቲ ዝዓበየን ኣገዳስን ነገር እዩ ዝኸውን። ስለዚ ጎይታ በቲ ዝሃበና ጸጋ ኩሉ ግዜ እሙናትን ንዕዮኡ ንጠቅም ኣቕሓን ምእንቲ ክንከውን ሎሚ ኣብ ትሕቲ እግሩ ትሕት ኢልና ክንመሃር ይምዕደና ኣሎ።
“እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ኣምዕደኩም ኣሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” ሮሜ 12:1-2