"ኣነ ዝሓስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኮነን። ይብል እግዚኣብሄር " ኤርምያስ 29፡ 11።
ኣእምሮ ይሳቐን ይጉዳእን እዩ። ውሽጣዊ ጓሂን ምረትን ብኸምኡ ንደገ ወጺኦም ክጠፍኡ ዘይክእሉ እዮም። መብዛሕትና ስቓይ ከምዘሎናን እንታይን ብኸመይን ከምዝኾነ ንፈልጦ ኢና። ነገር ግን እቲ ጸገም ኣብ መፍትሒኡ እዩ ዘሎ። ወለል ክሳዕ ዚብለን ኣብራኽ ደው ኢልካ፡ መወዳእታኡ ክትርኢ ገለ ተኣምራት እንተተፈጥረ ብምባል ብቖላሕታ ንተስፋኻ እንተ ኣማዕዶኻ፡ ንምርሳዑ’ውን ንለይቲ ድቃስ ኪኾነካ ከኒና ወይውን ካልእ ነገር እንተወሰድካ፡ እቲ ቃንዛ ዚጠፍእዶ ይመስለካ? ኣይፋል።
ኣነውን ብኸምዚኦም ነገራት ስለ ዝሓለፍኩ እፈልጦም እየ፡፡ ወዲ ሾውዓተ ዓመት ከሎኹ፡ ኣብ ኣስመራ “ናይ ዕግርግር ጊዜ” እንብሎ፡ መቕተልትን ሞትን ህልቂትን ሰላማውያን ሰባት ዝበዝሓሉ ግዜ ካብ ዝባንስንቀ ዝበሃል ቦታ ሃዲምና ንሒደት መዓልታት ኣብ ገዛከንሻ ተዓቚብና ነበርና። ኣብቲ ግዜ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካብ ዝባንስንቀን ገጀረትን ካልእ ቦታን፡ ብሳንጃን ጥይትን ናይ ወትሃደራት ዝሃለቑ ሬሳታት ብዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ኣብ ጋህስታት መቐባር እንዳ ማርያም ብዘይመግነዝቲ ክቕበሩ ከሎዉ ሕጻን ኮይነ በዒንተይ ተመልከትኩ። ኣዝዩ ዘዘግንን ንኣእምሮይ ዝትንክፍን ፍጻሜ ነበረ፡። ከምኡ ድማ ኣንስቲ ብዘይ ተሓዚ ከእውያን፡ ጸጕረን ክነጽያን ከለዋ ብምርኣየይ ንነዊሕ ጊዜ፡ ኣብ ድቃስ ሕልመይ ዘይጠፍእ ስቓይ ነበረ። ኣብዚ ናይ ቆልዓነት ዕድመ ዝርእዮ ጽቡቕ ነገር ኣይነበረን፡፡ እንትርፎ ህልቂትን ህድማ ንሃገረሰብን፡ ኣብ ሃገረሰብውን ብፍርሕን ሹቕረራን እንደገና ናብ ከተማ ምምላስ፡ እቲ ዝሰምዖ ድምጺውን ድምጺ ጥይትን ኣውያት ሰባትን እንስሳን እምበር ድምጺ ሓጎስ ኣይነበረን። እዚን ወዲ ኸምዚን ንመንፈሰይን ኣእምሮይን ድቃስ ዝኸልኡዎ ናይ ውሽጢ ስቃይን ቃንዛን ኣሕደረለይ። ስቓየይ ኣብ ውሽጢ ጌረ ንወለደይን ኣሕዋተይን ኣይነግሮምን ነበርኩ።
ወዲ 15 ዓመት ኮይነ ብዛዕባ ምድሓን ብጐይታ የሱስ ከምዝኾነ ክርድኣንን ከስተውዕልን ምስ ጀመርኩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ መጀመሪያ ክሳብ መወዳእታ ኣንበብኩ። ዘረባይ ኩሉ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኮነ። ኣሎ ናብ ዝበሃል ፕሮግራም፡ ኣእጋረይ ይጎያ ነበራ። ኣብዘን እዋናት፡ ኣብ ህይወተይ ሓደ ፍሉይ ነገር ተሞኮርኩ። ፍሉይ ሓጎስን ስሓቕን። ለይቲ ለይቲ ብዝተፈላለዩ ምስልታትን ዘፍርሑ ድምጽታትን፡ እናመጸ ዘህተፍትፈንን ካብ ድቃሰይ ዘበራብረንን ኽፉእ መንፈስ፡ ከምኡውን ኻብ ዘሳቕየኒ ዝነበረ ፍርሒ ሞትን ነፍሰይ ሓራ ኮይና ረኸብኩዋ።
ሕጂ፡ ከም ስምዒት ዘሎዎ ወዲ ሰብ እሓዝንን እሓርቅን እየ። ነገር ግን ከምቲ ቅድሚ ንጐይታ የሱስ ከም ናይ ብሕቲ መድሓንየይ ጌረ ዝተቐበልኩሉ እዋን ዝነበረኒ ቃንዛን ውሽጣዊ ስቓይን የብለይን። የሱሰይ ኣብቲ መስቀል ወሲዱዎ እዩ። ሃሌሉያ!
ሎሚ በዚ ሕዱር ቃንዛን ውሽጣዊ ስቓይን እትነብር፡ መበገሲኡ ምኽንያት ድማ ሞት ናይ እተፍቅሮ፡ ውግእን ሳዕቤናቱን፡ ሕሰም፡ ስደት፡ ወዘተ...ክኾኑ ይኽእሉ፡ ብዘየገድስ ግን መፍትሒኡ እምበር ብኸመይ ከም ዝመጸ ምፍላጡ ኣይኮነን እሞ ናብቲ ካብ ኩሉ ከዕርፈካ ዝኽእል ኣምላኽ ቅረብ። ቤትካ ዕጾ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ እሞ ጸሊ። ናይ ውሽጥኻ ነገር ኩሉ ንገሮ። ንሱ ድማ ሓድሽ ሰብ ክገብረካ እዩ። ሓድሽ ህይወት፡ ሓጎስን ሰላምን ዝበዝሖ ዕሩፍ ህይወት ክህልወካ እዩ። ኣምላኽ ዝሓስበልካ ሓሳብ ሓሳብ ደሓን እምበር ናይ ክፉእ ኣይኮነን።