ከም በትሪ ናይ ሙሴ ኣብ ኣጻምእ በረካ
ዝተጠቀምካላ ንምግላጽ ክብርካ
ዘውጻእካዮም ብሓያል ቅልጽምካ
ኣነ እውን እኔኩ ባርያካ
ይረግጽ ይምርሽ ኣሰርካ
ስርሓኒ ከምቲ ትደልዮ ንስካ
ተጠቐመለይ ንኩቡር ዕዮካ
እወ ህይወተይ ትኩነልካ ጎይታ ተኽሊ ፍረ ትህብ
ተቀንጢባ ከተውጽእ ብኣኣ ክትዓግብ
ኮስኩሳ ኣጸቢቕካ ጋሓፋ ይቀየር
ንስምካ እተዘንቱ ዕቤትካ ትነግር
ንኹላቶም ዝጠፍኡ ፍቕርኻ ክትነግር
ከምቲ ኣብ ስቡሕ ምድሪ ዝወደቐ ቃላትካ
ብዙሕ ፍረ ክትፈሪ ህይወተይ ብጸጋኻ
ንስምካ ከተዘንቱ ክትነግር ዕብየትካ
ንኩሎም ክትመልስ ትናፍቆም ደቅካ
ኣቦ ክሕጎስ ብምድሓን ህዝብካ
ጎይታየ ተጠቀመለይ እኔኩ ባርያካ
እወ ከም ኣብ ሰራጴታ ናይ ሴዶን መበለት፡
ኤልያስ ዝመገትበ ብፍቕሪ ብእምነት፡
ኣነውን እኔኹ ንዝጠምዩ ቃልካ፡
መበሰሪት ኽከውን ተጠቐመለይ ኢኻ።