እቲ ናዳዪ ዝዀነ ኣምላኽ

Posted on 2014-11-02 · 1430 · 0 · 0

33 resources uploaded

ዝንበብ ምዕራፍን ጥቕስታትን 4፡1-7

መሪሕ ጥቕሲ

ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። ገላ 4፡4-5

መራሕ ቤተ-ክርስትያን ቲም ኬለር ብልክዕ ዘስተብሃሎ ነገር እንተነይሩ፣ ክርስትና ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ፍሉይ ዝገብሮ፣ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣብኡ’ቢሉ ዝስሕበና ስለ ዝዀነ እዩ። ኣብ ካልኦት ሃይማኖታዊ ስርዓታት፣ ገለገለ ሰባት ብጽቡቕ ጠባዮም፡ ሃይማኖታዊ ስርዓት፡ ጽቡቕ ተግባራቶም ወይ ካልኦት ጻዕርታቶም በቲ ዘናድይዎ ኣምላኾም ክቕበሉ ወይ ክንኣዱ ምዃኖም ተስፋ ብምግባር፣ ነቲ ኣምላኾም ዝብልዎ ይእልሽዎ ወይ የናድይዎ። ካልኦት ሃይማኖታት፣ ንኣምላኾም ክደልዩ ሒዅ ኢዮም ዝብሉ፣ ኣብ እምነተ ክርስትና ግና፣ ኣምላኽ እዩ ነቲ ጥፉእ ሰብ ዝደልዮ።

ገጣማይ ፍራንሲስ ቶምፕሶን፣ ብዛዕባ እዚ ጥልቂ ባህርይ እዚ እዉን ነገር’ዚ ክገጥም ከሎ፣ ብዛዕባ ብዘይ-ምፍራግ ናድዮት ወይ ሃሰውታ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ይጽሕፍ። ኣብታ ደገፍ(ቲፎዞ) ዘሰማይ (The Hound of Heaven) ዘርእስታ ስራሑ፣ ካብ ኣምላኽ ክሃድም ክብል፣ ነተን ብዘይታህዋኽ ስዕባን ብዘይርቡሽ ስጕምትን ዝስዕባኦ ዝነበራ ኣእጋር ክቕድመን ኣይከኣለን።

እቲ ኣውራ መልእኽቲ ልደት (Christmas)፡ እቲ ግሩም ሓቂ፣ ማለት ናድዮት ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዘረጋገጾ፡ ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። ገላ 4፡4-5

እዚ ዛንታ ልደት ጥራይ ዘይኰነስ፣ እንታይ ደኣ፡ እንተላይ ዛንታ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ድሕሪ ውድቀቶም ከመይ ኢሉ ከም ዝደለዮም እዩ። ዛንታ ብዛዕባ ንኣኻ(ንዓኻ) ንኣይን(ንዓይን) ከመይ ኢሉ ይደልየና’ዩ። ኣምላኽ እንተዘናድየና፡ ሎሚ ኣበይ ምሃለና ነይርና፧

ብ Joe Stowell
Our Daily Bread
23 ታሕሳስ, 2011
ትርጕም ብጐይትኦም ተስፋይን ሙዚት ግርማይን

0 comments
Other Article