“እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፣ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ። እዚ ካብ እግዚኣብሄር ኮነ፣ ነዕይንትናውን ዜድንቕ እዩ። እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ ዓወት እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን” መዝ 118፣22-24 ሓ.ት. “The stone which the builders rejected as worthless turned out to be the most important of all (cornerstone). This was done by the LORD; what a wonderful sight it is! This is the day of the LORD’s victory; let us be happy, let us celebrate” Psalm 118:22-24 GNB.
መብዛሕትኡ ግዜ፣ “እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን” ትብል ጥቕሲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንጥቀመላ ኢና። ግናኸ ኩለን መዓልታት እግዚኣብሄር እዩ ዝገብረን፣ እግዚኣብሄር ዘይገበረን መዓልታት የለዋን። ኣብዛ ጥቕሲ ግን “እዚኣ እያ” ብምባል ሓንቲ ካብ ኩለን መዓልታት ፍልይቲ መዓልቲ ከም ዝኾነት እዩ ዘመልክት። ነዛ መዓልቲ እዚኣ ፍልይቲ ዝገብራ እንታይ እዩ፧ ንሕናኸ በዚኣ መዓልቲ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን ክንብል ከለና ብዛዕባ እታ ፍልይቲ መዓልቲ ዲና ንዛረብ ዘሎና፧ ወይስ ከም ኩሉ ሰብ፣ ኩለን መዓልታት ኣምላኽ ዝገበረን እየን እሞ፣ ከም ኩለን መዓልታት ሎሚ ከኣ ክንሕጎስ ይግብኣና እዩ ማለትና ኢና፧ ሓቂ እዩ፣ ብኹለን መዓልታትና ክንሕጐስ ኣምላኽ ይደሊ። ግናኸ፣ ነፍሲ ብዘይፍልጠት ክትከውን ጽቡቕ ኣይኰነን እሞ፣ ብፍላጥ ትገብሮን፤ ብልምዲ/ብዘይፍላጥ ትገብሮን ይፈላለ እዩ። ስለዚ እምበኣር ቅድሚ ብዛዕባ እታ ፍልይቲ መዓልቲ ምዝራብና፣ ቅድሚኣ ዘሎ ኣገዳሲ ፍጻሜታትን ነታ መዓልቲ ከኣ ብኸመይ ፍልይቲ ክትከውን ከም ዘገብራን ክንርኢ ጽቡቕ እዩ።
1. ነደቕቲ
ነድቕቲ ኣገደስቲ እዮም፣ ምኽንያቱ ነታ መዓልቲ ዓወት ፍልይቲ ኣብ ምግባር መዓይይቲ ኣምላኽ ዝነበሩ እዮም “ነቲ ከምቲ ውዱእ ምኽሪ ኣምላኽን ከምቲ ናይ ጥንቲ ፍልጠቱን ኣሕሊፎም ዝሀብዎ ወሲድኩም ብኢድ እቶም ሕጊ ዜብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን” ግብ.ሃዋ2፤23። ዘምራይ ከኣ “እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፣ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ” መዝ118፣22 ይብል። እዞም ነደቕቲ እንታዎት እዮም፧ ነደቕቲ ንመን ይውክሉ፧ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ናብ ሓድሽ ኪዳን ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 4፣1-11 ምስ ንምልከት፣ ብንጹር ብዛዕባ እቶም ነድቕትን እቲ እምነ መኣዝንን ተጻሒፉ ንረክብ። ከምዚ ድማ ይብል “ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን…ንጽባሒቱ ድማ መዃንንቶምን ሽማግለታቶምን ጸሓፍቶምን ምስ ሓና ሊቀ ካህናትን ቀያፋን ….ሽዑ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ከምዚ በሎም …. እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ ንሱ እዩ”። ስለዚ ነደቕቲ ተባሂሎም ዘለዉ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ጸሓፍትን (ምሁራት)፣ ፖሊስ ቤተ መቕደስን፣ ኩሎም ንየሱስ ዘይተቐበልዎን ብእኡ ዘይኣመኑን፣ ስቐሎ ስቐሎ እናበሉ ዝጨደሩን ኣብዚ “ነድቕቲ” ዝብል ስም ትውሂቡዎም ኣሎ። ምኽንያቱ “ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፣ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ … ስለዚ ከኣ እንሆ፣ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን አንብር ኣሎኹ፣ …. ንኣኻትኩም እትኣምኑ ክቡር እዩ፣ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፣ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፣ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ። እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ” 1ጴጥ2፣4-8 ይብል። ስለምንታይ እዮም ግና ነድቕቲ ተባሂሎም፧ እቲ መልሲ፣ ነቲ ኣምላኽ ዝሓረዮ ክቡር እምኒ መኣዝን ገዲፎም፣ ባዕሎም ናይ ገዛእ ርእሶም ካብ ኣምላኽ ዘይኮነ ህንጻ ክሃንጹ ስለዝድለዩ እዮም። “ህዝበይ ክልተ ኽፋእ ገይሩ፡ ንኣይ ንፈልፋሊ ህያው ማይ ሐዲጎምኒ፡ ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት፡ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ኲዒቶም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹምውን ራዕራዕ በሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር” ኤር2፣12-13 ፣ “ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን” 1ቈረ3፣10-11።
2. እምኒ፣ ርእሲ መኣዝን
እዚ እምኒ መን እዩ፧ ሕጂውን ኣብ ግብ.ሃዋ 4፣1-11 ብዛዕባ እዚ እምንን ርእሲ መኣዝን ምዃኑን ብንጹር ተጻሒፉ ንረኽቦ፣ “ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ፣ ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ድው ኢሉ ከም ዘሎ፣ ኣብ ኩላትኩምን ኣብ ኩሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ። እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፣ ንሱ እዩ”። ስለዚ እዚ እምኒ እዚ፣ እዚ ርእሲ መኣዝን እዚ የሱስ ክርስቶስ እዩ።
3. ርእሲ መኣዝን ብኸመይ ተናዒቑ፧
“ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ … እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ ንሱ እዩ” ግብ.ሃዋ4፣10-11 ፣ “… ነቶም ዘይኣምኑ ግና፣ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፣ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ። እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ” 1ጴጥ2፣7። ስለዚ፣ ነቲ ኣምላኽ ዝለኣኾ፣ ነቲ ንምድሓን ደቂ ሰብ ኢሉ ብኣምላኽ ዝተላእከ፣ ስለዘይተቐበልዎን ዘይኣመዎን፣ ስለዝሰቐልዎን፣ ዝጸረፍዎን፣ በዚ ከምዚ፣ ነቲ ሕሩይ እምኒ መኣዝን ነዓቕዎ።
4. ብኸምይ ርእሲ መኣዝን ኰነ፧
የሱስ ክርስቶስ ካብ ምውታት ብምትንስኡ እዩ ርእሲ መኣዝን ክኸውን በቒዑ። “ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ … እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ ንሱ እዩ” ግብ.ሃዋ4፣10-11፣ ከመቲ ካብ ምውታት ብምትንስኡ ቦኽሪ ካብ ምውታት ዝኾነ፣ ከምኡ ከኣ ካብ ምውታት ብምትንስኡ፣ ርእሲ መኣዝን ናይቶም ብእኡ ዝኣምኑ ክኸውን በቒዑ እዩ።
5. ርእሲ መእዝን ካብ መን ኮነ፧
ዘማራይ ብዛዕባ እዚ ርእሲ መኣዝን ከዛረብ ከሎ “እዚ ካብ እግዚኣብሄር ኮነ፣ ነዕይንትናውን ዜድንቕ እዩ” ጥ.23 ይብል፣ ‘እዚ’ ትብል ቃል ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ሞትን ካብ ሞት ምትንሳእን እያ ተመልክት። ናይ ብሓቂ ከኣ ዜደንቕ ፍጻሜ እዩ፣ የሱስ እቲ መንቅብ ኰነ ሓጢኣት ዘይብሉ ስለ ሓጥኣን ኢሉ ምሟቱን፣ ካብ ምውታት ምትንስኡን ዜደንቕ ጥራይ ዘይኮነስ ተኣምራታዊ ፍጻሜውን እዩ። እት ዘማራይ እዚ ካብ እግዚኣብሄር ኮነ ብምባል፣ እቲ ፍጻሜ ካብ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ይገልጽ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከኣ ብመፈስ ቅዱስ ኰይኑ ከምዚ ይብል ““ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ … እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ ንሱ እዩ” ግብ.ሃዋ4፣10-11 ፣ ደጊሙ ከኣ ኣብ መልእኽቱ “ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፣ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህይው እምኒ … ስለዚ ከኣ እንሆ፣ [ኣነ እግዚኣብሄር] ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን አንብር ኣሎኹ፣”1ጴጥ2፣4-6። ስለዚ፣ እዚ ሕሩይ እምኒ፣ ብእግዚኣብሄር እዩ ርእሲ መኣዝን ኰይኑ። ከምቲ መዓርግ ሊቀ ክህነት ብሰብ ዘይኮነስ ብኣምላኽ ዝተሓርየ ጥራይ ዝረኽቦ መልእኽቲ እብራውያን ኣንብብ)፣ ከምኡ ከኣ እዚ ርእሲ መኣዝን ምዃን፣ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ካብ ምውታት ብምትንስኡ፣ ንየሱስ ዝሃቦ ክቡር መዓርግ እዩ። ዝኾነ ካልእ ከኣ ክረኽቦ ኣይክእልን።
6. እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ ዓወት
“እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ ዓወት እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን” መዝ 118፣24 ሓ.ት. እታ እግዚኣብሄር ዝግበራ መዓልቲ ትብል ሓረግ፣ ኣብዚ ነታ የሱስ ክርስቶስ ብዓወት ካብ ሞት ዝተንስኣላ መዓልት እያ ተምልክት። እግዚኣብሄር ንየሱስ ክርስቶስ ካብ ምውታት ብምትንስኡ፣ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ብዓወት ክፍክር ገይርዎ እዩ፣ “ንሱ ርእሲ (ርእሲ መኣዝን) ኩሉ ሕልቅነትን ስልጣንን እዩ፣ ንስኻትኩም ከኣ ብእኡ ተመሊእኩም ኣሎኹም … ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፣ ብግብሪ እቲ ካብ ምውታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም … ምስኡ ህያዋን ገበረኩም፣ … ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፣ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፣ ብግልጺ ኣስተሓፈሮም” ቈሎ2፣9-15። ኣብዛ ጥቕሲ ‘ምስኡ’ ትብል ቃል ‘ምስ ክርስቶስ’ እያ ተመልክት። ስለዚ ኢና እምበኣር፣ ብ መእተዊ፣ እዛ መዓልቲ እዚኣ ፍልይቲ እያ ዝበልና። እዚኣ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ብዓወት ዝተንስኣላ መዓልቲ፣ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ጸልእቱ ዓወት ዘመዝገበላ መዓልቲ እያ። ግርምቲ መዓልቲ እያ። ነቶም ብስም የሱስ ዝኣመኑ ከኣ፣ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ስለዘለዉ (ምስኡ ትብል ቃል ኣብ ጥቅሲ ተመልከት)፣ እዚ ዓወት’ዚ ብኸምኡ ይወሃቦም ምዃኑ ካልኣይ ኣገራሚ ሓቂ እዩ። ስለምንታይ እያ መዓልቲ ዓወት ኰይና፧ ምኽንያቱ፣ ነቲ ዘመንና ምሉእ ክንከፍሎ ዘይተኻእለና ዕዳ ሓጢኣት የሱስ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ፣ ካባና ስለዘርሓቖን፣ ምስኡ ህይዋን ኰንና ከኣ ናብ ኣምላኽ ክንምለስን ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅኑዕ ዝምድና ክንገብርን፣ ኣብ ግዝኣት ሰይጣን ክንወጽእን፣ ንዘለኣለም ከኣ ወረስቲ ኣምላኽ ክንከውንን ስለዝገበረና እዩ። እዚ ከኣ የሱስ ቀዳማይን ቦኽሪ ምውታትን ብምዃኑ ኣግሂድዎ እዩ። ስለዚ ኣብ መዓልታዊ ናብራና፣ ““እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ ዓወት እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን” ኢልና ክንፍክርን ክንዛረብን ከሎና፣ ናይ የሱስ ክርስቶስ ዓወት ሒዝና ኢና ንወጽእ ዘሎና። ሎሚ መዓልቲ ዓወት ድያ፧ እወ እያ። ብኸመይ ደኣ ከምኡ ኢልካ፧ ምኽንያቱ፣ የሱስ ካብ ምውታት ተንሲኡ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ግርማ ስለዘሎ፣ ንኣይ ከኣ ምስኡ ኣብ የማን ግርማ ኣምላኽ ክኸውን ኣኽኢሉኒ እዩ፣ ኣነ ምስኡ (ኣብኡ ብ የማን ግርማ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት) ኣሎኹ፣ መዓስ ማለትካ ኢኻ፧ ሕጂ፣ ወረ ሎሚ መዓልቲ ማለተይ እየ። ስለዚ ስለዚ ስለዚ… ስለ-እዚ፣ ስለ ኣየናይ ኢኻ ትብል ዘሎኻ፧ ስለ-እቲ የሱስ ዘመዝገቦ ዓወትን ስለ-እቲ ምስኡ ክኸውንን ኣብ የማን ግርማ ኣምላኽ ክቕመጥን ምግባሩ፣ እየ ዝብል ዘሎኹ። ሎሚ ንዓይ ናይ ዓወት መዓልቲ እያ፣ እዚኣ መዓልቲ ኣምላኽ ንኣይ ናይ ዓወት መዓልቲ ክትከውን ብክርስቶስ የሱስ ገይሩዋ ኣሎ፣ ኣነ ከኣ ብክርስቶስ የሱስ ብምእማነይ ኣብዛ ናይ ዓወት መዓልቲ ተጸንቢረ ኣሎኹ። የሱስ ክርስቶስ ነቶም ዝኣምኑ ክቡር እምኒ መኣዝንን፣ ምንጪ ኩሉ ዓወትን እዩ። “ስለዚ ንኣኻትኩም እትኣምኑ፣ ክቡር እዩ” 1ጴጥ2፣7 ፣ “ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ ዓወት ዝህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ” 1ቈረ15፣57።
ብክርስቶስ የሱስ ዘይአመነ ኣሞ፤ ናብዛ መዓልቲ ዘይተጸንበረ እንተ’ሎ ግና፣ እታ መዓልቲ ምድሓን’ውን ሎሚ እያ እሞ፣ ሓጢኣትካ ተምኣሚንካ፣ ንየሱስ ከም ጐይታኻን መድሓኒኻን ምቕባል የድልየካ ኣሎ። ሽዑ እታ መዓልቲ ምድሓንካ ናብታ መዓልቲ ዓወትካ ከተእትወካ እያ። ምኽንያቱ መዓልቲ ምድሓን ኣፍ ደገ ናይ መዓልቲ ዓወት እያ። “ብቕብልቲ ግዜ ሰማዕኩኻ፣ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፣ ይብል እዩ እሞ፣ እንሆ እታ ቕብልቲ ግዜ ሕጂ እያ፣ እንሆ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ” 2ቈረ6፣2። እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ ዓወት እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን” መዝ 118፣24 ሓ.ት.
ቀንዲ ነጥብታት፦ የሱስ፣ ርእሲ መኣዝን፣ ትንሳኤ የሱስ፣ ዓወት የሱስን ሰዓብቱን
ጸሎት፦ እግዚኣብሄር ኣቦ፣ ንወድኻ የሱስ ከም ናይ ግሊ መሓንየይ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከም ምንጪ ኩሉ ዓወትይ’ውን ገይረ ይቕበሎ ኣሎኹ። ፍቓድካ ንኣይ ብክርስቶስ ናብ ኩሉ ዓወት ስለዝኾነ፣ ብስም የሱስ ስለ-እዚ ግሩም ምኽርኻ የመስግነካ ኣሎኹ። ኣሜን!!!