“ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም እምንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ። 2ቈረ.5:15
የሱስ ክርስቶስ ስለ ሓጢኣትና ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ምስ ሞተ፣ ሞት ኣጽኒዑ ክሕዞ ኣይከኣለን። ንሕና ንሞት ስዒርና ንዘልኣለም ምስኡ መታን ክንነብር ንሱ ቦኽሪ ብምዃን ንሞት ስዒሩ ተንስኤ። ብዛዕባ ሞቱ ክሓስብ ከለኹ ሓንቲ ዛንታ እያ ትዝከረኒ። ሓደ ቆልዓ ምስ ኣቦኡ ብማኪና ይጓዕዝ ነበረ። ብድንገት ሓደ ንህቢ ናብታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መኪና ኣተወ። እቲ ቆልዓ ኣለርጂ ናይ ሕንዚ ንህቢ ስለዝነበሮ እንተ ተነኺሱ ክመጽኦ ዝኽእል ስቓይ ተረዲኡ ብራዕዲ ኣንቀጥቀጠ። ኣቡኡ ግና ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ንህቢ ቆለቦ። ንቕሩብ ደቓይቕ ድሕሪ ምዕሟኹ እንደገና ፈነዎ። ቁሩብ ሃዲኡ ዝነበረ ቆልዓ እቲ ንህቢ ተለቒቑ ምስ ረኣዮ እንደገና ክርዕድ ጀመረ። ኣብኡ ግና “ኣጆኻ ወደይ ኣይትፍራህ፣ ርኤ እቲ ሕንዚ ኣብ ኢደይ ኣትዩ እዩ፣ ደጊም ክጎድኣካ ኣይክእልን እዩ።” ብምባል ኢዱ ዘርጊሑ ኣርኣዮ።
ክርስቶስ ተሸንኪሩ ክመውት ከሎ እንበኣር ንሓይሊ እቲ ብሰንኪ ሓጥያትና ዝመጸ ሞት እዩ ካባና ዝወሰዶ። ነዚ እተረድኤ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፣ “ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ? ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ? ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።” (1ቈረ.15.55-57) እንበኣርከስ ንዘክር፣ ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘሎና ነቲ ምእንታና ዝሞተን ዝተንስኤን እንበር ንርእስና ምእንቲ ከይንነብር ኢሉ እዩ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ዝሞተ እሞ ብኹሉ ናብራና ንዕኡ ብምኽባር ንንበር (2ቈረ.5.15)።
ጸሎት: ዎ ኣምላኽ ኣነ ብህይወት መታን ክነብር ነቲ ሓደ ወድኻ ልኢኽካ ኣብ ክንዳይ ስለዝሞተ ኤመስግነካ ኣለኹ። ከምቲ ንሱ ንሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ኣነ ድማ ብሓድሽ ህይወት ብጽድቂ ንዓኻ ክነብር እየ። ኣብ መወዳእታ ድማ ምሳኻ ንዘልኣለም ስለዝነብር ኤመስግነካ ኣለኹ። ብስም የሱስ ኣሜን!