ከም ብጹእ
ከም ብጹኣን
ብጹእ ክኸውን
ብጽእና ደልየ
ታእላው ዘይነበሮ ሃብተይ
ንድኻ ዓዲለ
ስለ ብጽእና
ቁሪ መሪጸ ከም ቆጽሊ ሰዓዕ
ለቢሰ ዲኖ ኣጣል ኣጎዛ በጊዕ
መከራ ክጸግብ ንኸስዐይ ቀጺዔ
ሓሪየ ቆሎ ጥረ
ኣብ በዓቲ ሰፊረ
ራህዋ ተሓሲመ
ሰሓቕ ጸዋታ ዘረባ ሓዲገ
ብጽእና ክረክብ ደኺመ
ናብ ኣምላኽ ክቐርብ
ኣብ ሰደቓ ጸሎት ውዒለ ሓዲረ
ባይታ ስዒመ ሰጊደ ጊዒረ፣
ግን…
ኣይቀረብኩን ናብቲ ቅዱስ
ኣይረኸብኩን ብጽእና
ንውሽጠይ ዘሔድስ
ለካ … ’ቲ ብጽእና
ካብ ኣምላኽ’ዩ
ካብቲ ቅዱስ ካብቲ ብጹእ
ባዕሉ ሓርዩ ኣቕሪቡ ናብ ቦታኡ
ንሓጥእ ዝዕድል ብጽእናኡ!!
“ኣብ ቦታኻ ክሓድር ዝሓረኻዮን ዘቕረብካዮን ሰብ ብጹእ እዩ።…”
መዝ 65.4