ወዲ ኣምላኽ የሱስ
ምንጪ ጸጋ ምንጪ በረከት
ጠመየ ... ግን ከኣ ኣጽገበ ብዙሓት
ጸምኤ ... ባዕሉ እንከሎ ማይ ህይወት
‘ቲ ንጉስ ነገስታት
ተኸሰ ... ቀረበ ኣብ ፍርዲ ብሓሶት
ሰማዕ ጸሎት
ጸለየ ... ገዓረ ስለ ደቂ-ሰባት
ደኸመ ... ረሃጸ ንኻልኦት ዘዕርፍ
ተሓርደ ከም ገንሸል
‘ቲ ሕያዋይ ጓሳ ዘይሓድግ ዘይንሕፍ
ተሸጠ ብዋጋ ... ተበጃዊ ህዝቡ
ናብ ሞት ወረደ ... ዘተንስኤ ንሙታን ጸዊዑ።
ወዲ ኣምላኽ የሱስ ገላጽ ጸጋ
መስተንክር ጸጋ ... ዘኽፈለ ዋጋ
ስለ ጸጋ ... ሓደገ ሰማያት
ወረደ ናብ መሬት
ራሕርሔ ልዑል ክብረት
ኣምላኽነት
ስለ ጸጋ ... ደኸየ ዓረቐ
ጸወረ ... ሸኽም ጥቑዓት
ጾር ሓጥኣን ፣ ናይ ፈጣሪ መዓት።
ወዲ ኣምላኽ የሱስ በዓል ጸጋ
መስተንክር ዝልውጥ ጸጋ
ዘይብጻሕ ሃብታም ጸጋ
ዘይሕሰብ ዘይዕደግ ብዋጋ
ጸጋ ... ንሰይጣን ዝጨፍለቐ
ጸጋ ... ንመልኣኽቲ ዘደነቐ
ጸጋ ... ንሓጥእ ዘጽደቐ
መስተንክር ጸጋ
ዘኽፈለ ዋጋ
ንህይወተይ ዝዓደጋ!!
“ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ ፣ ጸጋን ሓቅን ግና
ብየሱስ ክርስቶስ መጸ።”
ዮሃ 1.17