ከረን ኣምላኽ
ኣብ ምድሪ ብፍጹም ኮነ ተዛማዲ መገዲ እቲ ዝለዓለ ቦታ ከረን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ከረን ንዝተፈላለየ ነገራት ይውክል እዩ። ንናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ መቕደስ፣ ንዚገጥመካ ሽግራት፣ ንማሕለኻታት ወዘተ። ሕጆ ክንርእዮ ደልየ ዘለኹ ግና ነቲ ቀንዲ ዝኾነ ከረን ኣምላኽ እይቱ። ኣብ ብዙሕ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብዝተፈላለየ መገዲ ተገሊጹ ንረኽቦ፣-
- ከረን ኣምላኽ/ሆሬብ
- ከረን ቅድስና
- ከረን ህልውና
- ከረን ምልዋጥ
- ከረን ሞርያ
- ከረን ጽዮን
- ሳልሳይ ሰማይ
- በሪኽ ቦታ
እቲ ሰባት ናብዚ ከረን እዚ ዚገብሩዎ ጉዕዞ ወይ ንግደት ድማ ካብ ቀደም ጀሚሩ ዝጸንሐ ኮይኑ ምድያብ ይበሃል። ብዘመን ዳዊት ንኣብነት ደቂ እስራኤል ብውሑዱ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ናብ የሩሳሌም ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር ይኸዱ ብምንባሮም ሓደ ልምዲ ኣምላዕቢሎም ነበሩ። ኣብ እዋን ጉዕዞ ድማ ዝተፈላለየ ናይ ምስጋና፣ ጸሎት፣ ውዳሴን ዛንታን መዛሙር ይዝምሩ። እዚ መዛሙር ድማ ኣብ መዝሙር ዳዊት ተጻሒፉ ኣሎ - መዝሙር ምድያብ ድማ ይበሃል።
ነዚ ከረን እዚ ክንሓስብ ከሎና ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር ምዃኑ ንግንዘብ። እቲ ክትድይቦ ከሎኻ ድማ ሓደ ዝተፈልየ ስምዒት ድማ ይፈጥረልካ። ሓደ ዓይነት ርዝነት ዚፈጥር እዩ። ትም ኢልካ ዚድየብ ኣይኮነን። ሓደ ዓይነት ሓላፍነት ሓደ ዓይነት ክብደት ተሰሚዑካ ኢኻ እትድይቦ።
ኣብነት ናይዚ ዚኾነና እቲ ዳዊት ኣብ መበል 15 መዝሙሩ ዝዘመሮ እዩ። ትም ኢልካ መጺኻ እትድይቦ ዘይኮነስ ሓደ ዚገትእ ነገር ኣለዎ። ከም ህልውና ዝበለ ገለ ሃዋህው ኣጎልቢቡዎ ኣሎ። ጸኒሕና ናብዚ ክንምለስ ኢና። ሕጂ ግና ናይ ከረን ተሞክሮ ናይ ገለ ናይ ኣምላኽ ሰባት ክንርኢ እደሊ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ሰባት ናብዚ ከረን እዚ ደዪቦም ኣለዉ። ኣብርሃም ረዚን ዝኾነ መስዋእቲ ኬቕርብ ናብ ከረን ሞርያ ደዪቡ። ናብ ተራ ከረን ናብ ቅድሚ ሕጂ ናብ ዚመላለሰሉ ዝነበረ ከረን ኣይኮነን ደዪቡ። ካብኡ እተላዕለ እዮም ደሓር ኣይሁድ ኣብዚ ከረን እዚ እዩ ንኣምላኽ ዚስገደሉ ዚብሉ ዝነበሩ። ኣብቲ ከረን ሓደ ርዝነት ኣሎ። ኣብርሃም ኣብኡ ንይስሃቅ ወዱ ኪስውእ እዩ፣ ዜሐጉስ ትርኢት ኣይኮነን ኪርኢ። ጌሩዎ ዘይፈልጥ እዩ ህይወት ካብኡ ናብኡ ድማ ህይወት ወዱ ኬሕልፍ። ሕሰቡዎ እቲ ክብደት ናይቲ ሃዋህው። እዚ እዩ ከረን እግዚኣብሄር!
ሙሴ ኣብቲ ንደቂ እስራኤል ዝመርሓሉ እዋን ናብቲ ዚነድድን ዚተክኽን ከረን ሆሬብ ይድይብ ነይሩ። እቲ ከረን እቲ ብዜፍርህ ድምጺ ኣምላኽን ግርማኡን ተጎልቢቡ ነበረ። ካብኡ እተላዕለ ከኣ ደቂ እስራኤል ብርሑቕ እኳ ርዒዶም “በጃኻ ባዕልኻ ተዛረበና ኣምላኽ ኣይዛረበና” እናበሉ ለሚኖሞ ንሙሴ። ሙሴ ንባዕሉ ከመይ ዝበለ ጥንቃቐ ይገብር ነይሩ ይኸውን፣ ሓንቲ ስሕተት ናይ ሙሴ ናብ ሞት መብጽሓቶ። ሓንሳእ እኳ ከምኡ ኣጋጢሙ ነይሩ፣ ሳላ ሰበይቱ ዝገበረቶ ቅልጡፍ ናይ ግዝረት ኪዳን ደኣ እምበር። ሙሴውን “እፈርህን እምብድበድን ኣለኹ ክሳዕ ዚብል እዩ ነይሩ እቲ ትርኢት” ከምኡ ድማ እቲ ሃዋህው ናይቲ ኲነት። እዚ እዩ ከረን እግዚኣብሄር!
ዳዊት ኩሉሳዕ ኣብ ዘመኑ ናብቲ ከረን ይድይብ ነይሩ። እቲ ርዝነት ግን ተራ ነገር ኣይነበረን። ይፈልጥ እዩ ሓደ እዋን ነቶም ሰብ ቤት ሽመሽን ንዑዛ እቲ ካህንን ዘጋጠሞም ነገር። ሓንቲ ስሕተት መቕዘፍቲ ተምጽእ ነበረት። ካብዚ እተላዕለ ከኣ ኣብ ቅድሚ እዚ ታቦት እግዚኣብሄርሲ መን ኪቐውም ይኽእል ኢሉ ኪእለ ፈቲኑ ነይሩ። ዳዊት እምበኣር ክሳዕ ክንድዚ እዩ በቲ ከረን ህልውና ዚርዕድ ዝነበረ። ስለዚ ከኣ እዩ ንመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዝሙር ዝዘመረ። ከምዚ ኢሉ … ከምዚ እዩ ከረን እግዚኣብሄር! ብኡብኡ እቲ ርዝነቱ “ወይለይ የዒንተይ ንንጉስ ንእግዚኣብሄር ርእየን እየን እሞ ጠፋእኩ” ከምዚብል ገበሮ። ኣብ ቅድሚኡ እንታ ዘይብሎም ሱራፌል ጥራይ እዮም ዚረኣዩ። ንሳቶምውን ንህልውንኡ ከይርእዩ ኩለንትንኡ ተሸፊኑ እዩ። ከመይሲ እቲ ህልውና ኣመና ረዚን እዩ፣ ሓደ ፍጡር እኳ ኪጻወሮ ዘይክእል እዩ። ኢሳይያስ ነዚ ተገንዚቡ እዩ ብኡብኡ እንታይነቱ ዝዘከረ፣ መዋቲ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪቐውም ዘይሕሰብ እዩ። ከመይሲ “ቅዱስ፣ ቅዱስ፣ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት”፣ ከምቲ ጸልማት ኣብ ቅድሚ ብርሃን ዚበንን ከምኡ ድማ ኩሉ ኻልእ ህልውና ካብ ቅድሚ ህልውናኡ ይበንን። እዚ እዩ ከረን ህልውና እግዚኣብሄር!
ነዚ ኢና እምበኣር ነቲ ከረን - ከረን ህልውና - እንብሎ ዘሎና። ኣብኡ ሓደ ጋሻ ነገር ኣሎ። ኣብኡ ናይ እግዚኣብሄር ረዚን ህልውና፣ ዚርምሰስ ዚትንከፍ ረቂቕ ቅድስና ኣሎ። እቲ ትርኢት ድማ ክብደት ወይ ርዝነት ይፈጥረልካ። ናብኡ ክትቀርብ ከለኻ ብዛዕባ እታ ዝደቐቐት ዝርዝር ናይ ኣቀራርባኻ ከይተረፈት ኢኻ እትሓስብ፣ ሓንቲ ስሕተት ክትፍጽም ኣየዋጽእን እዩ። ምኽንያቱ ከረን ቅድስና እዩ። ሕጂ ናብቲ ኣብ እብራውያን 12፣18-24 ንምጻእ እሞ፣ እቲ ናይ ከረን እግዚኣብሄር ዓዳሚ እንታይነት ንርአ።
እዚ እዩ ኸኣ እቲ ዝዓበየ ሓድሽ ዜና!!! ዝዓበየ ኣብ ምድሪ ኪንገር ዚኽእል ዜና ስለዝኾነ ከኣ እዩ መላእኽቲ ኣምላኽ መጺኦም ነቲ ኣዋጅ ዝኣወጁዎ። ማሕደር ኣምላኽ፣ እዚ ከረን ቅድስና፣ ድንኳን እግዚኣብሄር ምስ ደቂ ሰብ ኣብ መንጎ ደቂ ሰብ ምሕዳሩ እዩ እቲ ኣብ ዓለም ኪንገር ዚኽእል ዝዓበየ ናይ መዋእላት “ውዑይ ዜና”።
ብርግጽ እቲ ከረን ንሱ እዩ እቲ ከረን ህልውና፣ ኣይተለወጠን። እቲ ዚልወጥ ዘሎ ግና እቲ ፍርሂ ናብ ናይ ናፍቖት ስምዒት ምልዋጡ እዩ። ሕጂ እዚ ከረን እዚ ካብቲ ዜርዕድ፣ ዜንቀጥቅጥ ህልውና ምዃኑ ናብ ዜብህግ ህልውና ምልዋጡ እዩ። ንመጀመርያ ጊዜ ዝተራእየ ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ምልዋጥ እዩ። በዚ ኸኣ ከረን ምልዋጥ ተሰምዩ። ጎይታ ንጴጥሮስ ዮሃንስን ያእቆብን ሒዙዎም ምስደየበ ኸኣ እዩ እዚ ዝኾነ። ኣብኡ ሓድሽ ነገር ተራእየ። እቲ ዚፈልጡዎ ዝነበሩ የሱስ መለኮት ለበሰ። ኣብኡ እቶም ኣብ ዛንታ ዚፈልጡዎም ዝነበሩ ሙሴን ኤልያስን ህያዋን ኮይኖም ረኣዩዎም። ብሓጺሩ ኣብ ምድሪ ተራእዩ ዘይፈልጥ ትርኢት ረኣዩ። ካብ ዕቤቱ እተላዕለ ብዘይካ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ካልእ መጽሓፍ ኪስነድ ኣይክእል እዩ። ስለዚ ኸኣ ጎይታ ቅድሚ ትንሳኤኡ ንሓደኳ ከይነግሩ ኣዘዞም። እቲ ስምባድ ጴጥሮስ ሓደ ባህጊ ወይስ ሃረርታ ኣምጽአ። ምቕናይ፣ ምንባር ብሂጉ ኣብቲ ከረን! ኣብቲ ከረን እግዚኣብሄር። ድሒሩ ነዚ ትርኢት ኺገልጾ እዩ፣ “ካብቲ ግኑን ግርማ ክብሪ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ ዚብል ድምጺ ምስወጸ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ግርማን ክብርን ተቐበለ፣ ”ከመይ ዝበለ ትርኢት እዩ? ሓንቲ ቃል ጥራይ ክትገልጾ ኣይትኽእልን እያ ነዚ፣ ስለዚ ድማ ግኑን ግርማ ክብሪ እዩ። ብእንግሊዝኛ ግሎሪ ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ብቋንቋ እብራይስጢ ድማ ሸኪናህ ይበሃል። እዚ ተሞክሮ እዚ እቲ ቀደም ኣብ ከረን ሆሬብ እተገልጸ እዩ፣ እቲ ነታ መቕደስ ሰለሞን ዘጎልበበ ክብሪ ደበና እዩ። ኣብቲ ከረን ምልዋጥ ድማ ብግርማ ክርስቶስ የሱስ ተጋሂዱ።
ጴጥሮስ ኣብኡ ኪነብር፣ ኪቕኒ ደልዩ ብሂጉ። እዚ ክብሪ እዚ ጽምኢ፣ ናፍቖት ባህጊ ይፈጥረልካ። እወ! እቲ ክብሪ ዚርምሰስ፣ ዚጭበጥ፣ ጋህዲ እዩ። ኣብኡ ነገራት ኩሉ ጋሻ እዩ፣ እቲ ክዳን ሕእጻቢ ዘየጻዕድዎ ጻዕዳ እዩ። እቲ ዘረባ ዘይንገር ዘረባ እዩ። ንሱ ሰፈር ቅድስና እዩ።
ሓደ እዋን ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብኡ በጺሑ ነይሩ። ኣብ 1ቌረንቶስ 12 ጠቒሱዎ ኣሎ። ኺገልጾ ከሎ ድማ ሳልሳይ ሰማይ ኢሉዎ። ንሱ ኣምላኽ ፊት ንፊት እትረኽቦ ክብሪ እዩ። ካብዚ እተላዕለ እዩ ክንናፍቖን ክንበጽሖ ሃረር ክንብልን ዚግበኣና። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብዚ እተላዕለ ኩለንትናዊ ሃረርትኡ እዚ ኮይኑ፣ ቀልጢፉ ናብ ጎይታ ኪኸይድ እሞ ኣብቲ ሰፈር ክብሪ ናይ ክርስቶስ ህልውና ናብታ ከረን ጽዮን፣ ሰማያዊት የሩሳሌም ናብቲ ማሕበር ጻድቃን፣ ጉባኤ ኹሉ፣ ክብሪ ክርስቶስ ዘለዎ ምብጻሕ ዝኾነ።
ስለዚ ኸኣ ማዕዳኡ ኩሉ ነቲ ናይ ላዕሊ ጽወዓ ምሕሳብ፣ ናይ ላዕሊ ደኣ እምበር ናይ ምድሪ ዘይምሕሳብ ዝኾነ። ስለዚ ኸኣ እዩ “ንሕና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ” እናበለ ብዛዕባ ሰማያዊት ሃገርናን እናኣስተብሃልና መንግስታዊ ኣመለኻኽታ ኪህልወና ዚምዕደና። ደሓርውን ነዚ ኣዕሚቚ ብመልክዕ ራእይ ዝረኣዮ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣሎ። ህልውና እግዚኣብሄር ዘለዎ እቲ ትርኢት ብጋሻ ዝኾነ ነገራት እዩ ዚግለጽ። እቲ ዙፋን በርባዕተ እንስሳታት ዚመስሉ፣ እቲ ክብሪ ከም ጸሓይ ዝበለ ብርሃን ዜንጸባርቕ፣ እቲ ኣዳራሽ ከም ባሕሪ መረጼን ዝበለ፣ እቲ ጉባኤ ከም ጉባኤ መላእኽቲ፣ እቲ ዚውጽእ ድምጺ ከም ድምጺ ብዙሕ ማያት፣ እቲ ሃዋህው ብደበና ከምእተኸበ ግርማ ህልውና እዩ። ከረን እግዚኣብሄር ከምዚ እዩ፣ ግን ከኣ ኪንዮ እዚ!
እንታይ እዩ እቲ መልእኽተይ?
ናብዚ ናይ ከረን ተሞክሮ ክሳዕ እንበጽሕ ፈጺምና ክንዓግብ የብልናን እዩ እቲ ክብሎ ዝደሊ ነገር። ክርስትና ዘየቋርጽ ጉዕዞ ናብዚ ከረን እዚ እዩ። እቲ ጉዕዞ ምድያብ፣ ምኻድ፣ ምንዳይ እዩ። እዚ መመሊሱ ሃረርታ እናወሰኸ ኪቕጽል እዩ ዘለዎ። ሓደ ጸሓፊ ነዚ ሃረርታ እዚ ጥራይ ብምስናድ “ምንዳይ ኣምላኽ” (ዘ ፐርሲዩት ኦፍ ጋድ) ገሊጹ ጽሒፉ ኣሎ። ካብ ናይ ዳዊት መዛሙር ነታ “እራብ ናብ ዓይኒ ማይ ከምእትናፍቕ ነፍሰይ ከኣ ዎ እግዚኣብሄር ንዓኻ ትናፍቕ ኣላ” ዚብል ቃል ድማ ይጥቀም። እቲ ማይ ክሳዕ ዚርከብ እቲ ርውየት ክሳዕ ዚመጽእ እቲ ናፍቖታዊ ምድላይ ምንዳይ ኣየቋርጽን እዩ። ሓደ ካልእ ድማ ነዚ ዘየቋርጽ ሃረርታ እዚ “ሃደንቲ እግዚኣብሄር” (ዘ ጋድ ቼዘርስ) ኢሉ ገሊጹ ጽሒፉ ኣሎ። ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ሃረርታኡ ኪፈጥረልና ከምዚግባእ እናመሃረ ድማ ይጽሕፍ። ብሓቂ እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅር፣ እቲ ሓንሳእ ጣዕሚ ህላወኡ ዝጠዓመ ብዘይ ምቊራጽ ዚገብሮ ሃድን እዩ እዚ ሃረርታ እዚ።
ከምዚ ዝበለ ሰብ ኩሉሳዕ ኣብ ውሽጡ ጽምኢ ኣለዎ። “ከም ዝረኸብኩዎ ኮይኑ ኣይስመዓንን” ይብል ሃዋርያ ጵውሎስ ሃረርታኡ ኪገልጽ ከሎ። ካብዚ እተላዕለ ድሕሬኻ ዘሎ እናረሳዕካ እቲ ምቁማት ምንዳይ ሃድን ይቕጽል። ክሳዕ’ቲ ከረን ህልውና ክሳዕ’ቲ ሃድን ብተሃዳንነት ዚትካእ።
ዳዊት ደጊምና እንተረኣናዮ ፈጺሙ ብፍቕሪ እግዚኣብሄር ተዋሒጡ ምንባሩ ንርዳእ። ኣነስ “ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ጥራይ ለሚነዮ፣ መቕደስ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ውቃበኡ ንምርኣይን ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከብር ደልየ ኣለኹ፣” እቲ ምድላይ ከመይ ኢሉ ኪዓግብ እሞ እቲ ድሌት ልዑል ክሳዕ ዝኾነ፣ እቲ ፍቕሪ ወሓዚ ዘየቋርጽ ክሳዕ ዝኾነ። ሃለው ኢልካ ምድላይ እዩ። ዘየባትኽ ምምጥጣር እዩ። እዚ ነዊሕ፣ ዘየቋርጽ፣ ሓደሓደ እዋን ተስፋ ዘቚርጽ ዚመስል መወዳእትኡ ብምርካብ እዩ ዚዛዘም። ናይ ብሕቲ ውልቃዊ ምርኻብ ምስ ኣምላኽ ሰማይ። ኣብቲ ከረን ህልውና ዚህሉ ርኽበት ድማ ዘለኣለማዊ ምቕናይ የመንይ። ምውራድ ኣይትደልን፣ ምጽናሕ ትብህግ! እቲ ናፍቖት መሊሱ ይውስኽ፣ ምስኡ ከለኻስ ትናፍቖ ንህያው እግዚኣብሄር!
እዚ ተሞክሮ እዚ ክትስእኖ ኣይትደልን ደሓር፣ ክትቅኒ ትደሊ። ኣብኡ ክትነብር መዋእል ኣሕሊፍካ መዋእል ክትነብር ትደሊ። እዚ ጣዕሚ እታ እትመጽእ እዩ! እዚ እቲ ናይ ዘለኣለም ብጽሒትካ እዩ። ካብዚ ንደሓር ካብ ከረን ምውራድ ይመጽእ። ንዝያዳ ተልእኾ፣ ንዝያዳ ሓላፍነት፣ ንዝያዳ ሃረርታዊ ኣዋጅ ካብዚ ከረን ምውራድ ይመጽእ።
ካብቲ ከረን ገለ ተቐቢልካ፣ ገለ ቅንኣት መሊእካ፣ ብዓውታ እናኣወጅካ ትወርድ። ነቶም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር ንደይብ ክትብል፣ ናፍቖቶም በቲ ዚሓልፍ ከንቱነት ከይምላእ ብዛዕባ እታ ናይ ሰማይ ከተማ ብምንጋር ትእውጅ። ንመከራ ትስሕቆ፣ ንግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ትኽሕዶ። ነቶም ነዚ ህልውና እዚ ምህላዉ ዘይፈልጡ ብዛዕባዚ ህላወ እዚ ክሳዕ ዚስወጦም ትነግር፣ ተበስር፣ ተውርየሎም። ከም ጳውሎስ ምስ ጊዜ ትቀዳደም! ኣብ ሰባት ድማ ሓደ ስምዒት፣ ሓደ ናፍቖት፣ ሓደ ሃረርታ ትፈጥር እሞ፣ ንሶም ድማ ናብቲ ከረን ይጎዩ፣ ይጎዩ ክሳዕ ዚረኹዎ። እዚ ዘየቋጽ ናይ ምንዳይ ዑደት እዩ። ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ናብ ተልእኾ፣ ኣገልግሎት ወይስ ቅንኣት ካበይ ከምዘምጽኦን እንታይ ከምዝደረኾን ከንብብ እሞ ብእኡ ክውድእ፣ “ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና፡ ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር፡ እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን። ካብቲ ግኑን ግርማ ኽብሪ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ምስ መጸ፡ ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ። ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምስኡ ኸሎና ኸኣ፡ ንሕና ባዕላትና ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና። ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሀልኩምሉ፡ ሰናይ ትገብሩ አሎኹም።” 2ጴጥሮስ 1፣16-19።