ከመይ’ያ ክትከውን እታ ህሞት
ምስ የሱሰይ ፊት ንፊት ዝራኸበላ ካልኢት?
ከመይ ክብል’የ?
እፍሳህዶ እኸውን ብሓጎስ እጭድር
ወለዱ ከምዝረኣየ ሕጻን እዘልል እሰራሰር
ወይስ ገጽ የሱስ ንምርኣይ እሓፍር
እግረይ አሕጽር ስኢነ ምድፋር::
እንታይ ክብል’የ?
እነግሮ’ዶ እኸውን ንየሱስ ማዕረ ክንደይ ከምዝናፈቕክዎ
እዚ ኩሉ ዓመታት ብሃንቀውታ ከምዝተጸበኹዎ
ወይስ ወልደፍደፍ ክብል’የ ዝብሎ ክጠፍኣኒ
ንሱ ቃል ከየውጽአ ውሽጠይ ብኽሲ ክመልኣኒ::
የሱስ ምስዝሓተኒ ኣብ ዘመን ሂወትካ እንታይ ጌርካ?
ኣብተን ዝሃብኩኻ ዓመታት ንመንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኣበርኪትካ?
እንታይ ክምልስ’የ?
እምልስ’ዶ እኸውን እህብ ጸብጻብ ብትብዓት
ከምዘሽረፍኩ ዝተዋህበኒ መኽሊት
ወይስ ብዛዕባ ፍልጠት: ዝና: ሃብቲ’የ ከውሪ
ከምዘሕለፍኩዎ ዕድመይ ስጋዊ ነገር ከጥሪ::
ኣየናይ ክምዘን’ዩ
ዝያዳዶ እምዘን እኸውን ንኽብሪ ጎይታ ዝጎየኽዎ
ንስሙ ዝጸርኩዎ: ዋጋ ዝኸፈልክዎ
ወይስ ንውዳሰ ከንቱ ዝጸዓርክዎ: ክነኣድ ክውደስ
ንገጽ ርአ: ውልቃዊ ዝና: ንሰባት ንምሕጋስ::
ይህልዉዶ ይኾኑ?
ገለዶ ሰባት ይሰኣሉኒ ይኾኑ ይመጹ ናብ ሓሳበይ
አብ ቅድሚ ጎይታ ምስክር ክኾኑ ንፍረ ዕዮይ
ዝሓገዝኩዎም: ዝመስከርኩሎም: ዝመሃርኩዎም
ዝራህራህኩሎም: ዘተባባዕኩዎም: ዘጸናናዕኩዎም
ወይስ ጥራይ ኢደይ’የ ክረኣዮ ንየሱስ ብዘይ ፍረ
ኣብዛ ዓለም ካልእ ከምዘይነበረ ብዘይካይ ዝተፈጥረ::
እንታይኮን ይብለኒ?
ይብለኒዶ ይኸውን የሱስ "ኣታ እሙን ባርያይ ጽቡቕ ገበርካ
ኣብ ሒደት ተኣሚንካ: ናብ ብዙሕ እሸመካ: ኣኽሊል እህበካ"
ወይስ እዘልፈኒ እኸውን እሰምየኒ ሃካይ ኽፉእ
መኽሊቱ ዘየሽረፈ: ዝተዋህቦ ዝሓብእ::
ከመይ’ያ ክትከውን እታ ህሞት
ምስ የሱሰይ ፊት ንፊት ዝራኸበላ ካልኢት?
ገጽ የሱስ ብምርኣይ ክተብዕ
ብምጽኣቱ ክኾርዕ
የድሊ ሕጂ ክነፍዕ::
ዎ ኣምላኽ: ዓመት ካብ ወሰኽካኒ ኣብ ዕድመይ
ኣብዛ ሓዳስ ዓመት መብጽዓ እኣቱ ብዓቕመይ
ክጎዪ ክሰርሕ ዕዮኻ ንምዕያይ::
ሮሜ 14:12 " እምበኣርሲ ነፍሲ ወከፍና: በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ክህብ እዩ"::