ዎ ጐይታ! ስሓበኒ . . .

Posted on 2012-08-15 · 1345 · 0 · 1

32 resources uploaded

ምርሓኒ በቲ ህያው ቃልካ
ኣዒንተይ ይብራህ በቲ ብርሃንካ
ልበይ ኸስተውዕል ኸስተንትን ትእዛዛትካ
ብምርዳእ ኽሰማማዕ ምስቲ ሓሳባትካ
ኹሉ ናተይ ሓዲገ ኽመርጽ ፍቓድካ
ዎ ጐይታ ሰሓበኒ፡ ትኸለኒ ኣብ ቃልካ።

ዎ ጐይታ! ሰሓበኒ . . .

ምርሓኒ በቲ ቕዱስ መንፈስካ
ብሕጉስ ልቢ ፈትየ ኽስዕበካ
ደድሕሬኻ ክኸይድ ክኽተል ኣሰርካ
ኸይዝሓጥ ኸይተርፍ ካብ ምስዓብካ
ኽጎዪ ኽመላለስ ከምቲ ቕዱስ ቃልካ
ዎ ጐይታ ሰሓበኒ፡ ደግፈኒ ብመንፈስካ።

ዎ ጐይታ! ሰሓበኒ . . .

ሕዘኒ በቲ ዘይልወጥ ፍቕርኻ
ኣዒንተይ እናጠመታ ፍትወይ ንዓኻ
ኣእዛነይ እናሰምዓ ‘ቲ ጥዑም ድምጽኻ
እናርኣኹ ዘደንቕ ዕቤት ናይ ግርማኻ
እደሊ'ለኹ ክኸውን ኣብቲ ሕቑፍኻ
ልበይ ይወነን ይመላእ ብኣኻ
ዎ ጐይታ ሰሓበኒ፡ ኣጽንዓኒ ኣብ ፍቕርኻ።

“ደድሕሬኻ ኽንጎይስ፡ ሰሓበኒ፡ እቲ ንጉስ ናብ ሕልፍኙ ኣእተወኒ፡ ብኣኻ ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናን እዩ፡ ሓለፋ ወይኒ ንፍቕርኻ ኽንንእድ ኢና፡ ብቕንዕና እየን ዚፈትዋኻ ።” (መሃልየ መሃልይ 1፣4)

1 comments

ሰላም ናይ ክርስቶስ የሱስ ይኩን ምሳካ.....በሃቂ ...............ሰሓበኒ ክንብሎ የድሊ አዩ አብዚ ጠዋይ ዘመን
Other Poem