ሰብ ንኣምላኽ ምፍርሑ ዝረብሖ ረብሓታት እንታይ እዩ።
1. ኣምላኽ ነቶም ዝፈርህዎ ኩላቶም ሓልዮቱ ብምልኣት እዩ ዘርእዮም።
ቃል ኣምላኽ ከኣ ኣብ መዝሙር ዳዊት 34፣9-10 “ነቶም ዚፈርህዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ ኣቱም ቁዱሳኑ ንኣግዚኣብሄር ፍርህዎ። ኰራኩር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩን ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጎድሎምን” ይብለና። ወሲኹ እውን ኣብ መዝሙር ዳዊት 111፣5 “ንዝፈርህዎ ምግቢ ይህቦም ኪዳኑ ንዘልኣለም ይዝክር” ይብለና። ኣብዚ ሓልዮት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩን ዝፈርሑን እዩ ዘርኣየና። ኣምላኽ ነቶም ዝፈርህዎ ብስሙን ብኽብሩን ድማ ዝንቅጥቀጡን ኩሎም እቲ ዘድልዮም ከይመልኣሎም ስቕ ኣይብልን እዩ። እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ጥራይ እዮም ሓልዮቶም ብዘሎ ናብቲ ከኣሊ ኣምላኽ ዘውርድዎን ዘውድቕዎን። ከመይሲ እቲ ዝፈርሕዎ ኣምላኽ በቲ ዘድልዮም ነገር ከይፈርሑን ከይስንብዱን መታን ዘድልዮም ዘበለ ክህብም ምኻኖም ኣዚዮም ይፈልጡ እዩም።
2. እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ኩሉ ግዜ ኣምላኽ ድሌት ልቦም ምስ ሃበምን ምስ ዓደለዎን እዩ።
ቃሉ ኣብ መዝሙር ዳዊት ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይብለና “ፍቓድ እቶም ዝፈርህዎ ይፍጽም ኣውያቶም እውን ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ”። ኣምላኽ ናይ ኩሉ ጸሎት ይሰምዕ እኳ እንተ ከነ ንኹሉ ግና ኣይኮነን መልሲ ዝህብ። ኣምላኽ ነቶም ናቱ ቀረብኡ እሞ ኸኣ ዝፈርህዎ ሰባት ጥራይ እዩ ጸሎቶም ዝምልስ ዝሓተትዎ ኸኣ ዝህቦም። ከመይ ኩሉ ግዜ ንኣምላኽ ስለ ዝፈርሁ ንዕኡ ከሕዝንዎ ኣይድልዩን እዮም። ጸሎቶምን ባህጎምን ከኣ ኣብ ፍርሓት ኣምላኽ ዝተመርኮሰ እዩ ኣምላኽ ከኣ ነዚኦም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት የሕፊርዎም ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ ድሌት ልብና ዘይምርካብናን ጸሎትና ግብኡ መልሲ ዘይምርካቡና ብሰንኪ ንኣምላኽ ዘይምፍራህናዶ ይኸውን? ንኣምላኽ ዝፈርሑ ሰባት ዝጽልይዎ ጸሎት ንኽብሪ ኣምላኽ እምበር ንረብሓ ገዛእ ርእሶም ንምርዋይን ንምዕጋብን ኣይኰነን።
3. እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ኸኣ ወትሩ ብጻማ ኣእዳዎም ሕጉሳትን ዕጉባትን እዮም።
ቃል ኣምላኽ ኣብ መዝሙር ዳዊት ከምዚ ይብል ”ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ቡጹእ እዩ። ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ ብጹእ ኢኻ” መዝ. 128፣1-2። እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ብስሙ ኸኣ ዝርዕዱ ሰባት ዝገብርዎ ይሰልጦም፣ ዝሓዝዎ ይብርክት፣ ሽጋርን ቅልውላውን ከኣ ኣብ ቤቶም ኣይርከብን እዩ። እዚ ማለት ኩሉ ግዜ ጅብኦም ሙሉእ፣ እዩ ማለት ኣይኰነን ግና ሰላሞም ዕርፈቶም ምሉኡ እዩ።
4. ካልእ ኸኣ ሚስጥር ኣምላኽ ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ሰባት ጥራይ እዩ ዝግለጸሎም።
ኣምላኽ ሓሳቡን ፍቓዱን ኪዳኑን ሚስጥሩን ስቕ ኢሉ ንዝረኸብ ሰብ ዘይኮነስ ነቶም ንዕኡ ዝፈርሑ እዩ ዝነግሮምን ዝገልጸሎምን። ነዚ ኸኣ እዩ ዘማራይ ዳዊት ከምዚ ኽብል ዝዘመረ “ንእግዚኣብሄር ዝፈረህ ሰብ መን እዩ ንእኡ እታ ዚሓረያ መንገዲ ኺምህሮ እዩ ነፍሱ ብድሓን ክትነብር ዘርኡውን ንምድሪ ክወርሳ እዩ። ሚስጥር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ። ንሱውን ኪዳኑ ኼፍልጦም እዩ” መዝ. 25፣12-14። ሎሚ ሚስጥር ኣምላኽ ኣብ ዱንኳና ክዓርፍ ምኽሩ ኸኣ ኣብ ቤትና ክኸውን ብመምሪሒኡን ሓሳቡን ከኣ ክንመላለስዶ ንደሊ? ንኣምላኽ ንፍራህ።
5. ሓለዋ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ሰባት እምብዛ ይዓዝዝን ይረዝንን።
እግዚኣብሄር ዝሓላዊኣ ህይወትን እቲ ንሱ ዝዋጋኣላ ነፍሲ ከመይ ብጽእቲ እያ። እዚ ኸኣ ኣብቶም ብኣምላኽ ዝንቕጥቀጡን ዝፈርሑን እዩ ዝጋሃድ። ነዚ ዝኸውን ጥቕሲ ካብ መዝሙር ዳዊት ምስ እነንብብ ከኣ ከምዚ ይብለና ”መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ” መዝ. 34፣6። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብዛ ንኹሉ ቃልዕ ዝኾነት ዓለም እሞ ኸኣ ሰይጣንን ኣጋንንትን ሕማምን ሓጥያትን ዝዋናጨፉላ ተሓሊኻ ክትነብር ሓለዋ ኣምላኽ የድልየካ እዩ። እዚ ክትረክብ ከኣ ንኣምላኽ ፍራህ።
ሰብ እምበኣር ከምቲ ጸሓፊ ናይ ምሳሌ ዝበሎ ሳላ ፍርሓት እግዚኣብሄር እዩ ጸጊቡ ዝሓድር፣ ብሰላም ዝነብር፣ ከም ሽደን ኣንበሳ ዝተብዕን ናይ ጥበብ ኩሉ ዝኾነ ጥበበ ከኣ ዝረክብን። ስለዚ ሎሚ ካብ ናይ ትማሊ ንላዕሊ ንኣምላኽ ንፋርህ። ካብ ናይ ሎሚ ንላዕሊ ኸኣ ጽባሕ ንኣምላኽ ኣዚና ክንፈርሖ ንዳሎን ንወስንን።
ንኣምላኽ ዘይንፈርሕ እንተኾይና ኣብ ብዙሕ ስቓይን መፈንጥራን ኢና እንወድቕ። ከምቲ ሓደ ዘዋሪ መኪና ብዝግባእ ከይተጠንቀቐ መኪና እንተ ዘዊሩ ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ፣ ከምኡ ኸኣ እቲ መንገዱ ኹሉ ብዘይፍርሓት ኣምላኽ ዝኾነ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ዝተገተረ ሓደጋ ጥራይ እዩ። እቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ በረኸታት እውን ኣይንረክብን። ንሓደጋን ንሓጥያትን ከኣ ቁሉዓት ንኸውን። ነገርና ኣይሰልጥን፣ ዝሓሰብናዮ ኣይፍጸምን፣ ሞገስን ክብሪ ኣምላኽን ንስእን። ዝገደደ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እንቕበሎ ፍርዲ ዓቢ ይኸውን። ከመይሲ ኣብ ኢድ እቲ ዘፍርህ ኣምላኽ ምውዳቕ ኣዚዩ ዘፍርህን ዘርዕድን ስለ ዝኾነ።
ኣብዚ ዘመን እዚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ፍርሓት ኣምላኽ ዝተሳእነሉ፣ ደቂ ሰባት ከኣ ፋሉል ዝኸድሉ እዋን ስለዝኾነ እቲ ፍርዲ ኸኣ ብኡ መጠንእዩ ዝዓቢ ዘሎ። ንሕና ግና ካብ ፍርዲ ክንመሉቕን ካብቲ ዝመጽእ ቁጥዓ ኣምላኽ ኸኣ ክንድሕንሲ ሃየ ደኣ ምፍርሃና ንዕኡ ንበይኑ ጥራይ ይኹን። ሹዕ ከኣ እዩ ሕፍረትን ነውርን ካባን ዝቕንጠጥ። እንተ ዘይኮይኑ ብሰንኪ ንኣምላኽ ዘይምፍራህናን ኩሉ ግዜ እናነወርናን እንነደናን ኢና እንኸይድ ካብዚ ኸምዚ ክንሕሎን ክንስወርን ግና ሕጂ፣ ጽባሕን ንዘለኣለምን ንኣምላኽ ምፍራሕና ነረጋግጽ።