ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ዘመን ዕረፍቲ ክመጸልኩም
ጐይትኦም ተስፋይን ሙዚት ግርማይን
መስከረም 11, 2013, ስቶክሆልም ሽወደን
ፍቑራት ኣሕዋት: ዘለናዮ ዘመን ንኵላትና ግሁድ ከም ዝዀነ፣ ሓጢኣት ዝሳዕረረሉ፣ ዓሎቝ ኣብ በየ ቦትኡ ዝገነነሉ፣ ወዲ ሰብ ድማ ክእብስ ነግ ፈረግ ዘይብለሉን እዩ። ዓመጻ ካብ ዝዀነ ዘመን ንላዕሊ ሓሽከትከት ዝበለሉን፣ ንሕና እቶም ኣመንቲ ንበሃል ድማ ከም ዘመነ መሳፍንቲ፣ ኣብ ክንዲ ድምጺ እቲ ፈቃር: ኣርከናይ: ልዑለ ልዑላንን ኣምላኽና ንሰምዕ፣ ዅሉ በቢዝመሰሎን በቢዝተራእዮን ይኸይድ ኣሎ። ደቂ ሰባት መጋበርያ እቲ እኩይ ኰይኖም ኣለዉ።
ኣብ ክንዲ ማዕጾና ዓጺና፣ ምስቲ ብሕቡእ ዝርእይ ብግህዶ ድማ ዝምልስ ሰመያዊ ኣቦና: መለኮታዊ እዮት: እግዚእ: ጃንሃይ ጐይታ ኵሉ እግዚኣብሄር ግዜና ነሕልፍ--ከምዚ ዓይነት ዘደንቕ ግሩም ኣምላኽ ከለና’ሲ--፣ ኣብ ዘይጠቕምን ከንቱ ዝዀነን ነገራት ተሸሚምና ግዜና ከነሐልፍ፣ ልቢ እቲ ብሩኽ ሰመያዊ ኣቦና ከመይ ኣዝዩ ዘይቅዝን። ከምዮ ከምቲ. . .ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ዀይኑ ዝፈላልየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ: ከይሰምዓኩም ከኣ: ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም እዩ። ኢሳ 53:2-3 ኣሕዋት: ኣብ ክንዲ መናኣት ዘይኰኑ ነገራት ከም እኒ እዚ ክንበልዖ ተፈቒዱ ድዩ ኣይተፈቕደን፧ Doctrine ቤተ-ክርስትያንና ከምዚ’ዩ ከምቲ: የሱስ ብስጋ ድዩ ተንሲኡ ብመንፈስ፧ . . .ከምዚታት ክንካታዕ ግዜና ኣህፍፍ ካብ ‘ነብል፣ ስለምንታይ ኣብቲ መሰረታዊ ነገር ዘይነተኵር።
ስለምንታይ ብዛዕባ ምሕረት: ፍቅርን ዕርቅን ዘይንዛረብ። ሎሚ ሰባት ብምንታይ ይፈልጡና፧ ብፍቅርናዶ ወይስ ብቍርቍስና፧ ነቲ ምሳና ዘሎ ሓውና ከየፍቀርናሲ፣ ንምንታይ ንኣምላኽ አፍቅሮ እየ ብምባል እንሕሱ። ኣገልግሎት ተሪፉ ቅድም ምስ ኣሕዋትና ዘይንፋቀር። ምሳና ዓለም ተሰኪምና፣ ከም ባህልን ልምድን ዓለም እንዳነበርና፣ ንኻልኦት ዓለማውያን እዮም ክንብልሲ ከመይ ዘሐፍር እዩ። ኣምላኽ ይቅረ ይበለልና: ኣመንቲ ኢና እንዳበልና ክንከራፈስ ‘ናውዓልና፣ ልቢ ጐይታ ኣጉሂና ኢና እሞ: ጐይታ ይቕረ ይበለልና። ንብጻይና ብዘይምፍቃር ንኽንደይ ኣሕዋትና ቀቲልና ኢና እሞ፣ ጐይታ ይቕረ ይበለልና: ንሓዉ ዘየፍቅርን ቀታልን ሓደ ስለ ዝዀኑ።
ኣሕዋት: ሎሚ ኣብ ዝኸድናዮ ቦታ እንፍለጠሉን መለለይናን ነገር እንተሎ፣ ምቝርራጽ እዩ። ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያናት ዘሎ ፍልልያት እዚ ዘይብሃል እዩ። ሓደ ክንፈልጦ ዘለና ‘ዋራ’ ክርስቶስ ተመቓቂሉ ድዩ? ወይስ ንሓድሕዳ እተፈላለየት መንግስቲ ከመይ’ቢላ ኢያ እትቐውም። ብሓድነት ሓቢርና እንተዘይሰሪሕናስ፣ ከመይ ኢልና ኢና ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ከነስፍሕ፧ ወዮም ኣቦታትናን ኣዛውንትናን ክምስሉ: “ሳግላ ብላዕ ኣይትቅላዕ:” ድዮም ዝብሉ። ዝሃለወ ይሃሉ፣ ፍቅሪ ይሃሉ ኣይሃሉ፣ ፍልልይ ዋላ ይሃሉ ንሕናስ ዕጭ ሓንፈፍኩ ከነገልግል’ና ንብል ‘ተለና። መሰረታዊ ነገር ሓዲግና ኣለና ማለት’ዩ።
ኣሕዋት ጾር ህዝብና ጾርና ኣይኮነን ድዩ፧ ኣብ ምስቍርቋር ዘሎ ህዝቢ’ዶ ኣይኰነን ዘለና፧ ስለምንታይ በየ-ዕለቱ ጐይታ መኸተምታ (ምስቍርቋር ህዝብና) ክገብረሉ ዘይንጽሊ፧ ስለምንታይ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ‘ንብል፧ ዓብዪ ዋኒን እንከለና ስለምንታይ ኣብ እንዝህላለታትን እንዶስመንዶሳትን ብኸንቱ ግዜና ነባኽን፧ ኣረ ዝጠፍእ ዝሎ ህዝቢ ክንደዩ!!! ኣረ ኣብ መከራን ብርቱዕ ስደትን ዘለዉ ኣሕዋትና ብዙሓት እዮም! ሎሚ ንሕና ኣብ ዕንኪላሎታት ክንነብር ግዚኡ ድዩ፧ በጃኻትኩም ንንቓሕ! ጐይታ ሓይልን ንግዓትን ይሃበና!!! እዛ ትቕጽል ጥቅሲ ንበብዋ። ግብ 3:19-20