ናብ ጸጋም እንተበልካኒ ንጸጋም
ናብ የማን እንተበልካኒ ንየማን
ንዓ እንተበልካኒ ክመጽእ
ኪድ እንተበልካኒ ክወጽእ
ኣብ ዘቐመጥካኒ ክቕመጥ
ናብ ዝለወጥካኒ ክልወጥ
እንተ ቐጻዕካኒ ክእረም
ካብ ዝሓረምካኒ ክሕረም
እንተ ለኣኽካኒ ከስልጥ
እንተ ኣጽናሕካኒ ከየዕለብጥ
እንተ ቀልጠፍካኒ ከይዕበ
እንተ ደንጎኻኒ ክጽበ
እንተ ሾምካኒ ክሽየም
እንተ ሰዓርካኒ ከይቅየም
ሓሳብካ ነዓይ ጽቡቕ ስለ ዝኾነ
ይብል ኣለኹ ነዚ ኣሚነ
“ዎ የሱስ ጎይታ ፍቓደይ እዩ ፍቓደይ ክህበካ ኣሻንጉሊት ክኸውን ኣብ የእዳውካ!“
“ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣነኸ ንኣኻትኩምዶ ኸምቲ ሰራሕ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩም ኣይከኣለንን እዩ? ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። “ ኤር. 18፡6