ሓደ ግዜ’ዩ ፊዚክስ ዓውደ መጽናዕቲ ይቀስመሉ ኣብ ዝነበርኩ እዋን፡ ከም ኣመለይ ብርዐይን መዝገበይን ሒዘ ኣብ መምበረይ ይቕመጥ። መምህርና ውን ከም ልማዱ ሰዓት ናይ ትምህርቲ ኣኺሉ፡ ክምህር ኢሉ ኣብ ጥቓ ሰሌዳ ይቐርብ እሞ፥ ሓንቲ ኣዝያ ቀላል እትመስል ፎርሙላ ኣብ ሰሌዳ ጽሒፉ ብዛዕባ ኣመጻጽኣኣ ከዋግዓና ጀመረ። ክንጽሕፍ ኣብ ዝጀመርናሉ፥ እታ ኣዝያ ቀላልን ብክልተ ርካብ ትፍታሕ ትመስለና ዝነበረት ፎርሙላ፥ ቀስ ብቐስ ክትዝርዘር ጀመረት አሞ፥ ቅድሚ ሕጂ አኳ ከምኡ ተማሂርናን ፈቲሕናን ንፈልጥ እንተኾንና፥ ናይዚኣ ግና መወዳእታ ክንርኢ ብዘለና ጸዓት ነቲ መምህርና ኣሰሩ ክንክተል ብርዕና ምጽሓፍ ኣየቛረጻን።
መምህርና ሓደን ካልኣይን ግዜ ነቲ ዓቢ ሰሌዳ አንዳደምሰሰ ነታ ዝተዘርዘረት ፎርሙላ መሊሱ ክእክባ ይቐርብ አሞ፥ አንተ ንሕና ግን ናይ ነገር ተመሃሮ ደኣ ጽባሕ ኣርእዩኒ ከይብለና ፈሪሕና ነቲ ጽሑፍ ክንቀድሖ ጸዓትና እምበር፥ እቲ ምርዳእሲ ኣይግድን። ኣብ መወዳእታ ሓደ ተዋዛያይ ትመሃራይ ነበረና አሞ፣ ነቲ መምህርና “ንምንታይ ንርእሰይ ኣጨኒቕካዮ” በሎ ፍሽኽ እንዳበለ፥ ዝነበራኦ ዘጥፍአ እንክመስል። እቲ መምህርና ከኣ ክምስ ኢሉ “ብዛዕባ እዚ ኩሉ ዝተዘርዘረን መሊሱ ዝተኣከበን ኣይትጨነቑ” በለና እሞ ከምዚ ገለ ከቢድ ነገር ካብ ርእሰይ ዝወረደ ተመስገን በልኩ እሞ፥ እታ ትምልከተንን እተሕትተንን -ነታ ንእሽቶ ፎርሙላ ምፍላጥ ጥራይ ምዃኑ ፈለጥኩ።
ምልስ ኢለ ነዚ ሓሰብክዎ እሞ፥ ኪንዮ ኣካድያማዊ ተመክሮ፥ ካልእ መንፈሳዊ ተምሳጥ ኣብ ልበይ ሓደረ። እዚ ሎሚ ካብ ትንፋሰይ ንላዕሊ ቀሪቡኒ ዝጽውዖን ብዓቢኡ ከኣ ምድሓን ዝረከብኩሉ ስራሕ መስቀል፥ ክንደይ ዘይብጻሕን ክቡር ዋጋ ዝተከፍሎን ምዃኑን መሊሰ ገለ ነገር ክቕሰብ ጌሩኒ። ንዓይ ዝተዋህበ “ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም”(ግብ 16:31) እቲ ናቱ ዕዮ ግን እቲ ንዘመናት ተዘርጊሑ ዝነበረ መጋረጃ ክቕንጥጥን፥ እቲ ንዘመናት መውጽኢ ዝተሳእኖ ጽድቂ ብሕጊ ፍጻሜ ክገብረሉን ነበረ። ኣቤት ፍቕሪ! ናይዚ ንዘመናት ላሕ ዘበለ ጉዕዞ ብሕጊ፥ ጠንቁ ንሕና እኳ እንተኾንና፥ ከምቲ ቓሉ ዝብሎ “ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንሕና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም”( ኤፈ 2:4-5) እግዚኣብሄር ኣቦ ብምእማን ወዱ ብእየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ነገር ኣቕሊልዎ። ስሙ ይመስገን። ልክዕ ከምቲ ንእሽቶ ጌጋ ካብቲ ኩሉ ስራሕ፥ ነታ ልክዕ ፎርሙላ ትስሕታ፥ ነቲ ካብ ኣዝዩ ብዙሕ ሕግታት ብሓንቲ ጌጋ ኣብ ትሕቲ መርገም ዓጺና ዝነበረ ጎይታ የሱስ ሓጢኣት ከይፈለጠ ሓጢኣትና ጸይርዎን ናይ ዓመታት መርገምና ወዲእዎን።
እሞ ጎይታ ክምቲ መምህርና ዝገበሮ፥ እታ ዓባይ ፍቕሩን ምስጢር ናይ ምድሓንናንን ክጽሕፈና እንተዝጅምር፥ ክንደይ መዝገባት ኮን ምኣኸለና? ንማያት እዛ ዓለም ውን፥ ቀለም እባ ኩነለይ እንተ ንብሎ ስራሕ ኣምላኹ ይፈልጥ እዩ’ሞ፥ ኣይፋልካን ጌና ከይጀመርካ ከሎኻ ክውድኣካ እየዶ ኣይምበለናን? ወይሲ እቲ ኹሉ ዝከኣሎ ጎይታ ከምታ ንኤልያስ ክትምግቦ ዘይቲ ካብ መቀርሰሚቶ ዘይጎደለ፥ ቀለምናን መዝገብናን ጽሒፍካሉ ዘይውዳእ እንተዝገብሮ፥ ክንደይ ጸዓት ክንደይ ዓመታት ኮን መድለየ?
“ዎ ኣምላኽ፣ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፣ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ፣ ካብ ሑጻ ይበዝሕ፣ እንተ ነቓሕኩ፣ ገና ምሳኻ እየ።” መዝ 139: 17-19