ንነፍሰይ ነጊረያ ኢለያ ደውሞ በሊ
ካብ ሃለኽለኽ የዕርፊ ህድኢ አስተብህሊ
አብ ሎሚ ኮንኪ ጠምትያ ንዓሚ ንትማሊ
አየ ሎሚ ክትፍተወካ ክትጥዕም
ድልድል እንድያ መሰጋገሪት ናይ ትማልን ጽባሕን
አብ ሎሚ ኮንካ ንትማሊ ትግምግም
አብ ሎሚ ኮንካ ንጽባሕ ትትልም
ስለዚ ነፍሰይ ንቓለይ ከይተዕብር
ጀሚራ ብዛዕባ ትማሊ ክትምርምር
አይጸንሐትን ግን ሰገጥ ኢላ አቢልዋ እስር ሽቑርር
ክትምለሶውን አይደለየትን ብዛዕብኡ ክትዝክር
ግን ግድን ኮይንዋ ከይዳ ብትዝታ
ፈትሻታ ንትማሊ ቀስ ኢላ ብዘገምታ
ናብ ድኻም ገጹ ምስ ዛዘወ እቲ ሚዛን
ስምባደአ ገሊጻቶ ርእሳ ብምድናን
ስንፍንኣ ድኻማ ከሎ ቅሉዕ
ነቲ ፍርዲ ኢላቶ ዝንቡል ኔሩ ዝንቡዕ
ግን ሕልንኣ እንዲዩ ኔሩ እቲ ፈራዲ እቲ ዳኛ
ጠበቓ ዘየድልዮ ዝኸውን መንጎኛ
ምስ ረኣኽዋ ብዙሕ ክትሽገር ብዛዕባ ትማሊ
ዓቕላ ከተጽብብ ካብ ዝግብአ ንላዕሊ
ክንዲ ዝኾና እቲ ዝሓለፈ ንተመኩሮ
ወሲድዋ ናብ ከቢድ ሓሳብ አእምሮ
ነጊረያ ብዛዕባዚ ዝበሎ ሃዋርያ ጳውሎስ
ክትረጋጋእ ናብ ልባ ክትምለስ
"ብድሕረይ ዘሎ ኩሉ እናረሳዕኩ
ናብ ቅድመይ ናብቲ ዓስቢ ዓወት እመጣጠር አለኹ"
ሽዑ ኢላ: ትማሊ ደአ እዛ ትማሊ
ሓሊፋ እንዲያ ተባሂላካ ትማሊ
ተዓዚራ አይትምለስንያ በቃ
ዛንታ ኮይና ፍጹም አርሒቓ
ስለዚ: ምስ ዝሓለፈ ምስ ዘየለ ካብ ምውዕዓል
ይሓይሽ ብዛዕባ ሎሚ ምስትውዓል
ናብ ጽባሕ ምምዕዳው ምስትብሃል
ባርያ ትማሊ አይከውንን ንድሕሪት ነይምለስ
ናብ ቅድመይ አቢለ ደአ እጎዪ እግስግስ
ካብ ድኻመይ ተማሂረ ካብ ዝሓለፈ
ቃል ይአቱ ንጐይታይ ከኽብር ብዝተረፈ።
ፊሊጲ 3:13-14
ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።