Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

zodiac signs


ኤርምያስ 27:9 | 14 Helpful votes

ምእንቲ ኣነ ኽሰጐኩምን ክትጠፍኡንሲ፡ ካብ ሃገርኩም ኬርሕቑኹም ኢሎም እዮም ሓሶት ዚንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፡ ንስኻትኩም ነቶም፡ ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝኡን ኢኹም፡ ዚብሉኹም ነብያትኩምን ጠንቈልቲታትኩምን ሕልሚ ዚሐልሙልኩምን ዚፈልጡልኩምን ሰብ ኣስማትኩምን ኣይትስምዕዎም

Translation | Context
ሚክያስ 5:12 | 8 Helpful votes

ካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፣ ጠንቈልቲ ኸኣ ኣይኪህልዉካን እዮም።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 7 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ዘዳግም 18:10-12 | 6 Helpful votes

ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 1:21 | 6 Helpful votes

ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን

Translation | Context
ኤርምያስ 10:2 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱብትእምርትታት ሰማይውንኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ

Translation | Context
ኣሞጽ 5:8 | 5 Helpful votes

እቲ ንሾብዓተ ኸዋኽብትን ንኦርዮንን ዝገበረ፡ ንድነ ሞት ናብ ወጋሕታ ዚልውጦ ንመዓልቲ ኸኣ ግብ ዝበለ ለይቲ ዚገብሮ፡ ንማያት ባሕሪ ዚጽውዖ፡ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኸዕዎ፡ ኣብ ልዕሊ ዕርዲ ጥፍኣት ኪመጽእስ፡ ነቲ ሓያል ብድምገት ጥፍኣት ዜውርደሉ፡ ስሙ እግዝኣብሄር እዩ እሞ ድለይዎ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:31 | 4 Helpful votes

ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ

Translation | Context
ዘዳግም 13:1-3 | 3 Helpful votes

ኣብ ማእከል ነብዪ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኡ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሀበካ፡ እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከኣ ከምቲ ዝበለካ እንተ ዀነደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም፡ እንተ በለካንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዂሉ ልብኹምን ብዂሉ ነፍስኹምን እንተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኺፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፍትነኩም እዩ እሞ ነቲ ነብዪ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕ

Translation | Context
ኢሳይያስ 47:13 | 3 Helpful votes

ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ

Translation | Context
መዝሙር 147:4 | 3 Helpful votes

ቊጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፣ ንዅላቶም በብስሞም ይሰምዮም

Translation | Context
ዘዳግም 4:19 | 3 Helpful votes

ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትንኲሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕል፡ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ዝመቐሎም፡ ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሐሎ።

Translation | Context
እዮብ 38:31-32 | 2 Helpful votes

ንማእሰር እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኽትልቅሞንኦሪዮን ካብ ማእሰሩ ኽትፈትሖዶ ይከኣለካ እዩ፧ ንናይ ማዛሮት ምልክት በብጊዜኡ ኸተውጽኦ፡ ወይስ ንድቢ ምስቶም ደቃ ክትመርሓዶ ይከኣለካ እዩ፧

Translation | Context
ዘጸአት 20:5 | 2 Helpful votes

ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ

Translation | Context
ኢሳይያስ 47:13-14 | 2 Helpful votes

ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፡ ሓዊ የንድዶምካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ኣየድሕንዋን። ጓህሪ ንምስሓን ዚኸውን፡ ሓዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ኣይኪህሉን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 21:25-27 | 2 Helpful votes

ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን፡ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ። ሕያሊ ሰማያት ኬንቀጥቅጥ እዩ እሞ፡ ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ። ሽዑ ንወዲ ሰብ፡ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም።

Translation | Context