Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ምእንቲ ኣነ ኽሰጐኩምን ክትጠፍኡንሲ፡ ካብ ሃገርኩም ኬርሕቑኹም ኢሎም እዮም ሓሶት ዚንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፡ ንስኻትኩም ነቶም፡ ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝኡን ኢኹም፡ ዚብሉኹም ነብያትኩምን ጠንቈልቲታትኩምን ሕልሚ ዚሐልሙልኩምን ዚፈልጡልኩምን ሰብ ኣስማትኩምን ኣይትስምዕዎም።
Translation | Contextካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፣ ጠንቈልቲ ኸኣ ኣይኪህልዉካን እዮም።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
Translation | Contextወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም።
Translation | Contextትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱ። ብትእምርትታት ሰማይውን፡ ኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ።
Translation | Contextእቲ ንሾብዓተ ኸዋኽብትን ንኦርዮንን ዝገበረ፡ ንድነ ሞት ናብ ወጋሕታ ዚልውጦ ንመዓልቲ ኸኣ ግብ ዝበለ ለይቲ ዚገብሮ፡ ንማያት ባሕሪ ዚጽውዖ፡ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዚኸዕዎ፡ ኣብ ልዕሊ ዕርዲ ጥፍኣት ኪመጽእስ፡ ነቲ ሓያል ብድምገት ጥፍኣት ዜውርደሉ፡ ስሙ እግዝኣብሄር እዩ እሞ ድለይዎ።
Translation | Contextናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Contextኣብ ማእከል ነብዪ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኡ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሀበካ፡ እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከኣ ከምቲ ዝበለካ እንተ ዀነ፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም፡ እንተ በለካ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዂሉ ልብኹምን ብዂሉ ነፍስኹምን እንተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኺፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፍትነኩም እዩ እሞ ነቲ ነብዪ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕ።
Translation | Contextብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ።
Translation | Contextቊጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፣ ንዅላቶም በብስሞም ይሰምዮም።
Translation | Contextጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኲሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕል፡ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ዝመቐሎም፡ ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሐሎ።
Translation | Contextንማእሰር እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኽትልቅሞ፡ ንኦሪዮን ካብ ማእሰሩ ኽትፈትሖዶ ይከኣለካ እዩ፧ ንናይ ማዛሮት ምልክት በብጊዜኡ ኸተውጽኦ፡ ወይስ ንድቢ ምስቶም ደቃ ክትመርሓዶ ይከኣለካ እዩ፧
Translation | Contextኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡
Translation | Contextብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፡ ሓዊ የንድዶም፡ ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ኣየድሕንዋን። ጓህሪ ንምስሓን ዚኸውን፡ ሓዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ኣይኪህሉን እዩ።
Translation | Contextኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን፡ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ። ሕያሊ ሰማያት ኬንቀጥቅጥ እዩ እሞ፡ ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ። ሽዑ ንወዲ ሰብ፡ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም።
Translation | Context