Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።
Translation | Contextእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።
Translation | Contextሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።
Translation | Contextሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።
Translation | Contextብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።
Translation | Contextካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል፣ ድርሳናተይ ንንጉስ እዩ፣ እብል፣ ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ እያ።
Translation | Contextነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም።
Translation | Contextዝናም ምድርኻ ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ እሞ፡ ኵሉ ተግባር ኢድካ ድማ ኪባርኸ፡ እግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡ፡ ሰማይ፡ ኪኸፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢካ፡ ንስኻ ግና ገለ እኳ ኣይትልቃሕን ኢኻ።
Translation | Contextድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።
Translation | Contextእቲ ብስም ንጉስ እተጻሕፈን ብቐለቤት ንጉስ እተሐትመን ኣይልወጥን እዩ እሞ፡ ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ብዛዕባ ኣይሁድ ንኣኻትኩም ቅኑዕ ኮይኑ እተራእየኩም ብስም ንጉስ ጽሐፉ፡ ብቐለቤት ንጉስ ከአ ሕተምዎ በለ።
Translation | Contextነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ - ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፦
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።
Translation | Context