Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

worship of false gods


ዘጸአት 20:2-6 | 9 Helpful votes

ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበርኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:3 | 8 Helpful votes

ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:20 | 6 Helpful votes

ኣይፋሉ፡ ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበርንኣምላኽ ኣይኰነንምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ኪህልወኩም ኣይፈቱን እየ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:4-6 | 4 Helpful votes

ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበርኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ።

Translation | Context
ዘዳግም 12:30-31 | 3 Helpful votes

ካብ ቅድሜካ ምስ ጠፍኡ፡ ደድሕሪኦም ብምስዓብካ ኸይትሕንኰልብዛዕባ ኣማልኽቶም ከኣ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ፧ ኣነ ድማ ከምኡ ኽገብር፡ ኢልካ ኸይትሐትት ተጠንቀቕንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ

Translation | Context
ማቴዎስ 6:21 | 3 Helpful votes

መዝገብካ ኣብ ዘለዎኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ

Translation | Context
ዘጸአት 34:14 | 2 Helpful votes

እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ

Translation | Context
ሉቃስ 6:46 | 2 Helpful votes

ስለምንታይ ደኣ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይእትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:14 | 2 Helpful votes

ፍቁራተየስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ

Translation | Context
ማርቆስ 7:7 | 2 Helpful votes

ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛትከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሃሩብከንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ

Translation | Context
ሮሜ 8:7 | 2 Helpful votes

እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 7:9 | 2 Helpful votes

ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ።

Translation | Context
ዘዳግም 13:1-18 | 2 Helpful votes

ኣብ ማእከል ነብዪ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኡ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሀበካ፡ እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከኣ ከምቲ ዝበለካ እንተ ዀነደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም፡ እንተ በለካንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዂሉ ልብኹምን ብዂሉ ነፍስኹምን እንተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኺፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፍትነኩም እዩ እሞ ነቲ ነብዪ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕደድሕሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስዐቡ፡ ብእኡ ድማ ፍርሁትእዛዛቱውን ሐልዉቃሉ ድማ ስምዑ፡ ንእኡ ኸኣ ኣገልግሉ ምስኡውን ልገቡ። ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትከዳ ዝአዘዘካ መገዲ ኼግልሰካ፡ ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣኩም፡ ካብ ቤት ባርነት ድማ ዘድሐነኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕልወኩም ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ እቲ ነብዪ እቲ ወይ እቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ይሙት። በዚ ኸምዚ ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆሓውካወዲ እኖኻ፡ ወይ ወድኻ ወይ ጓልካ ወይ ኣብ ሕቚፍኻ ዘላ ሰበይትኻ ወይ ከም ነፍስኻ ዝዀነ ፈታዊኻንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽኢሉ ብሕቡእ እንተ ሐበለካ፡ ንስኻ ዀነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ምድሪ፡ ኣብ ጥቓኻ ዀነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፡ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታትሕራይ ኣይትበሎ፡ ኣይትስምዓዮ፡ ዓይንኻውን ኣይትራሕርሓሉ፡ ኣይትንሐፎ ኸኣ፡ ኣይትሕብኣዮውንርግጽ ቅተሎ ደኣ፡ ንምቕታሉ ኢድካ ትቐድምደሓር ኢድ ኲሉ ህዝቢ። ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼግልሰካ ደልዩ እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከልካ ኸምዚ ዝበለ ኽፉእ ከይድገምሲኲሎም እስራኤል ሰሚዖም ኪፈርሁኪመውት ብዳርባ እምኒ ቕተሎ። ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን ክትነብረለን እግዚኣብሄር ዚሀበካ ኸተማታት፡ ሕሱማት ሰባት ደቂ ቢልያል ካብ ማእከልካ ወጺኦምንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸነምልኽ ንኺድ፡ ኢሎም፡ ንደቂ ዓዶም ኣስሐቱ፡ ኪብሉ እንተ ሰማዕካ፡ ሽዑ ድለ፡ መርምር ኣጸቢቕካ ኸኣ ጠይቕ፡ እንሆ ድማ፡ እዚ ፍንፉን ነገር እዚ ኣብ ማእከልካ ኸም እተገብረ፡ ሓቅን ርግጽን እንተ ዀይኑ፡ ኣብታ ኸተማ ንዚነብሩ ብስሕለት ሴፍ ኣበርቲዕካ ውቓዕ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘሎ ዂሉን ፈጺምካ ኣጥፍእ፡ ንኸብታውን ብስሕለት ሴፍ ኣጥፍእ። ካብኣ እተዘምተ ዘበለ ዂሉ ኣብ ማእከል ኣደባባያ ኣክቦ፡ ነታ ኸተማን ንዂሉ ኻብኣ እተዘምተን ብመላኡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሓዊ ኣንድድ። ንዘለኣለም ዑና ትኹን፡ መሊሳ ኸኣ ኣይትሰራሕእግዚኣብሄር ካብ ንደት ኲራኡ ምእንቲ ኺምለስን ምሕረት ኪገብረልካን ኪድንግጸልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ ዝመሐለሎም ከኣ ኬብዝሓካስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱ ክትሕሉ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቕኑዕ ዝዀነ ድማ ክትገብር፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ ካብቲ ሕሩም ነገር ገለ እኳ ኣብ ኢድካ ኣይልገብ

Translation | Context
ኤርምያስ 10:2-5 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱብትእምርትታት ሰማይውንኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ። ከም ኦም ስየ ትኽ ዝበሉን ዘይዛረቡን እዮም። ኪኸዱ ኣይኽእሉን እዮም እሞ፡ ሰብ እዩ ዚጾሮምጽቡቕ ዚገብርዎ የብሎምን፡ ክፉእ ድማ ኪገብሩ ኣይከኣሎምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርህዎም

Translation | Context