Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all2 bible verses about
ብሰማርያ ንምሕላፍ ከኣ ናይ ግዲ ኰኖ። ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ ሲካር ናብ እትብሀል ከተማ ሰማርያ መጸ። ኣብኡ ኸኣ ዔላ ያእቆብ አሎ። የሱስ ከኣ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ተቐመጠ። እቲ ጊዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። ካብ ሰማርያ ኸኣ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ድማ፥ ማይ ኰታ ኣስትይኒ፡ በላ። ደቀ መዛሙርቱ ግና ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ። ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ንስኻ ኣይሁዳዊ ክነስኻስ፡ ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን አሎኻ፧ በለቶ። የሱስ ድማ፥ ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ግዳ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ፡ ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ድማ፥ ጐይታይ፡ መቕድሒ የብልካን፡ እዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቝ እዩ፡ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ትረኾቦ፧ ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሃበና፡ ንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ፡ ትዓቢ ኢኻ፧ በለቶ። የሱስ ድማ፥ ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። እቲ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡ ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ ካብቲ ማይ እቲ ሃበኒ፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፥ ኪዲ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ፡ በላ። እታ ሰበይቲ መሊሳ፥ ሰብኣይ የብለይን፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ሰብኣይ የብለይን ብምባልክስ ቅኑዕ ተዛረብኪ። ሓሙሽተ ሰብኣይ ነይሮምኺ እዮም እሞ፡ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ። እዝስ ሓቂ ተዛረብኪ፡ በላ። እታ ሰበይቲ በለቶ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ አሎኹ። ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፡ እታ ኺስገደላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ፡ ኢኹም እትብሉ። የሱስ በላ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ከም እትመጽእ፡ እመንኒ። ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ። ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ክርስቶስ ዚብልዎ መሲህ ከም ዚመጽእ፡ እፈልጥ አሎኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኵሉ ኪነግረና እዩ፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፥ ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ፡ በላ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መጹ፡ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡውን ተገረሙ። ግናኸ ሓደ እኳ፥ እንታይ ትደሊ፡ ወይስ፥ ንምንታይ ምስኣ ትዛረብ አሎኻ፡ ዝበሎ የልቦን። እታ ሰበይቲ ኸኣ ዕትሮኣ ሐዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ነቶም ሰብውን፥ ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ በለቶም። ካብ ከተማ ወጺኦም ናብኡ መጹ። ኣብ መንጎ እዚ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ መምህር፡ ብላዕ፡ ኢሎም ለመንዎ። ንሱ፥ ኸኣ ኣነስ ንስኻትኩም ዘይ ትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ አሎኒ፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓድሕዶም፥ ሰብ ደዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ ተባሃሀሉ። የሱስ በሎም፥ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ። ንስካትኩምዶ፥ ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ አሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም አለኹ። ሓደ ኸም ዚዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዓጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ ዘራእን እቲ ዓጻድን ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ። ኣነ ንኣኻትኩም ኣብ ዘጸዓርኩምሉ ኽትዓጽዱ ለኣኽኩኹም። ካልኦት ጸዓሩሉ፡ ንስኻትኩም ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም። ስለቲ እታ ሰበይቲ፥ ዝገበርክዎ ዘበለ ነጊሩኒ፡ ኢላ ዝመስከረቶ ቓል፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ አመኑ። እቶም ሳምራውያን ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪቕመጥ ለመንዎ። ኣብኡ ኸኣ ክልተ መዓልቲ ወዐለ። ኣዝዮም ዚበዝሑ ድማ ስለ ቓሉ ኣመንዎ። ነታ ሰበይቲውን፥ ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ ይብልዋ ነበሩ።
Translation | Contextእቲ ቐልጢፉ ኺኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ፡ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ። ንሱ ንቓል ኣምላኽን ንምስክር የሱስ ክርስቶስን፡ ነቲ ዝረአዮ ዘበለ ዅሉ መስኪሩ አሎ። እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ፡ እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን፡ ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም። ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት፡ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርን በዅሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድሪ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ንእኡ፡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበና፡ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን። እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ አሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽዩሉ እዮም። እወ፡ ኣሜን። ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣነ ዮሃንስ ሓውኩምን ኣብቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ጸበባን መንግስትን ትዕግስትን መማቕልትኹምን፡ ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሀል ደሴት ነበርኩ። ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ኰንኩ፡ ብድሕረይ ከኣ፡ ነዚ እትርእዮ ዘሎኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ስሚርናን ጴርጋሞስን ትያቲራን ሳርዴስን ፊላደልፍያን ሎዲቅያን ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት ስደዶ፡ ዚብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ። ነቲ ዚዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩውን፡ ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ርኤኹ። ኣብ ማእከል እቶም ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ከኣ፡ ክሳዕ እግሩ እተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዐጥቀ ወዲ ሰብ ዚመስል ርኤኹ። ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፡ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ። ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኣለውዎ፡ ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ፡ ትርኢቱውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ እዩ። ምስ ርኤኽዎ ድማ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ። ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ፡ ከምዚ እናበለ፡ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ አሎኒ። እምብኣርሲ ነቲ ዝርኤኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ድሕርዚ ዚኸውንን ጽሐፎ። ምስጢር እቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝርኤኻዮም ሾብዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቅን፡ እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም መላእኽቲ እተን ሸብዓተ ማሕበራት እዮም፡ እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴልውን ሾብዓተ ማሕበራት እየን።
Translation | Context