Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።
Translation | Contextምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።
Translation | Contextንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም። ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን። ነተን መበለታት፡ ብሓቂ መበለታት ዝዀና ኣኽብረን። ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለውዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይምሃሩ። እታ ንበይና እትነብር፡ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር እትገብር፡ ብሓቂ መበለት ዝዀነት ግና፡ ለይትን መዓልትን ብልማኖን ጸሎትን እያ እትጸንዕ። እታ ሕንቅቕቲ ግና፡ ብህይወታ ኸላስ ምውቲ እያ። ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ኪዀኑስ፡ እዚ ድማ አዝዝ። ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ። ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ፡ ውሉድ ዘዕበየት፡ ጋሻ እተቐበለት፡ እግሪ ቅዱሳን ዝሐጸበት፡ ንዝጸበቦም ዘርሃወት፡ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝሰዓበት፡ ካብ ስሳ ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት ከም መበለት ኰይና ትቈጸር። ሓያማት ግና ንክርስቶስ ተጻሪረን ፍትወት ስጋ ምስ ተላዕለን፡ ኪምርዓዋ እየን ዚደልያ እሞ፡ ንኣታተን ኣርሕቀን። ንሳተን፡ ነታ ቐዳማይቲ እምነተን ስለ ዝጠለማ፡ ፍርዲ አለወን። ኣብ ልዕሊዝውን ቤተ ቤት እናዞራ ምብኳር ዕዮ እየን ዚምህራ፡ ዘይግባእ እናተዛረባውን መብዛሕቲ ኣፍን ወልፋሳትን ይዀና እምበር፡ ምብኳር ዕዮ ጥራይ ኣይኰናን። እምብኣርሲ እተን ሓያማት ኪምርዓዋ፡ ውሉድ ኪወልዳ፡ ቤተን ኪሕዛ፡ ጸላኢ ዘጸርፈሉ ሓደ ምኽንያት እኳ ኸይህባ፡ እደሊ አሎኹ። ገሊኤንሲ ድሮ እኳ ዘምቢለን፡ ደድሕሪ ሰይጣን ስዒበን አለዋ። ንሓደ ኣማኒ ወይስ ኣማኒት፡ መበለታት እንተ ኣለዋኦም፡ ባዕላቶም ይሕለዩለን፡ ነተን ብሓቂ መበለታት ዝዀና ምእንቲ ኽትሐሊ፡ ነታ ማሕበር ኣየኽብዱላ። እቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፥ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ። ብናይ ሽማግለ ኸኣ፡ ብምስክር ክልተ ወይ ሰለስተ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ክሲ ኣይትቀበል። ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩውን፡ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኺፈርሁ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም። ተቐዳዲምካ ኸይፈረድካን ሓንቲ እዃ በድልዎ ኸይገበርካን፡ እዚ ኽትሕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስን የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን ኤማሕጽነካ አሎኹ።
Translation | Contextንስኻትኩም ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ንስድተኛ ኣይትዐምጾ ወይ ኣይትጽቀጦ። ንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎም። እንተ ገፋዕካዮም፡ እሞ ኣባይ እንተ ጠርዑ፡ ጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ። ኵራይ ይነድድ እሞ፡ ብሴፍ እቐትለኩም። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታት፡ ደቕኹም ከኣ ዘኽታማት ይዀኑ።
Translation | Contextኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ፣ ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን እዩ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ፡ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕም፧ ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ።
Translation | Contextፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ። ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ። ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም። ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን። ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ። ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል። ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡ። የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ። ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዔ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ። እቲ ብሊቀ ኻህናት ስለ ሓጢኣት ኣብ መቕደስ ዚኣቱ ዝነበረ ደም እንስሳታት፡ እቲ ስጋታተን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሐርር ነበረ እሞ፡ ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ካብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሰውኢ አሎና። ስለዚ የሱስ ከኣ፡ ብደም ንህዝቢ ምእንቲ ኪቕድስ ኢሉ፡ ኣብ ወጻኢ ኣፍ ከተማ መከራ ጸገበ። ነታ እትመጽእ ንደሊ አሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፉ ተሰከምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ። እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ። ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ። ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ። ብዅሉ ደግነት ክንነብር እናደሌና፡ ሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና፡ ተረዲእናዮ አሎና እሞ፡ ጸልዩልና። ኣነ ቐልጢፈ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽውሃበኩም፡ እዚ ኽትገብሩ ኣብዚሔ እምዕደኩም አሎኹ። ኣምላኽ ሰላም ግና ነቲ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሉ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍቓድ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እዚ ቓል ምኽሪ እዚ ኣሕጺረ ጽሒፈልኩም እየ እሞ፡ ክትቅበልዎ እልምነኩም አሎኹ። ጢሞቴዎስ ሓዉና ኸም እተፈትሔ፡ ፍለጡ፡ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መጸ፡ ምስኡ ኽርእየኩም እየ። ንዅላቶም መራሕትኹምን ንዅላቶም ቅዱሳንን ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝዀኑ ሰላም ይብሉኹም አለዉ። ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።
Translation | Contextኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ። ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ አተወ፡ እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸደነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን፡ ብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧ ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ፡ ብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዐቕኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዚሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዚስሕቡኹምን፧ ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ ዘለዉ፧ ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቕሮ፡ ዚብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎ፡ ሰናይ ትገብሩ አሎኹም። እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ። ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን። እቲ፡ ኣይትዘሙ፡ ዝበለ፡ ኣይትቕተል፡ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረሲ ሕጊ ኢኻ። ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምእውን ግበሩ። ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ፡ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕም፧ ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ አሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን አሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧ እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ። ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ አሎኹም። ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።
Translation | Contextእታ ንበይና እትነብር፡ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር እትገብር፡ ብሓቂ መበለት ዝዀነት ግና፡ ለይትን መዓልትን ብልማኖን ጸሎትን እያ እትጸንዕ።
Translation | Contextጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንአዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ። ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ። እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም። ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስማካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና። ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜን። ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኹም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ። ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካ ውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን። ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ። ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዋን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፧ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኹም ኣይትጨነቑ። ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም። ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።
Translation | Contextሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፣ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ። ንመበለትን ንዘኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፡ ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ።
Translation | Contextንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዚጠዊ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ከኣ፡ ኣሜን ይበል።
Translation | Context