Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

whores


ህዝቅኤል 23:1-49 | 9 Helpful votes

ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብክልተ ኣንስቲሓንቲ ዘዲኤን ኣዋልድ፣ ነበራ። እዚኣተን ኣብ ግብጺ ኣመንዘራ። ገና በዋልደን ከለዋ ኣመንዘራ፡ ኣጥባተን ተጸቕጠ፡ እቲ ድንግል ሕጽነን ኣብኡ ተደርቀቐ። ኣስማተን ከኣ፣ እታ ዓባይ ኦሆላ፣ እታ ሓብታ ድማ ኦሆሊባ ይበሀላ ነበራ። ናተይ ኰና፣ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለዳስማተን ከኣ ኦሆላ ሰማርያ እያ፣ ኦሆሊባ ድማ የሩሳሌም እያ። ኦሆላ ኸኣ ናተይ ከላስ ዘመወትፍትወታ ባቶም ፈተውታ ኣብ ኣሶራውያን ጐረባብታ ዀነ። ንሳቶም ሰማያዊ ሃሪ እተኸድኑ መሳፍንትን መኳንንትን፣ ኵላቶምውን መልክዔኛታት ኣባጽሕ፣ ኣብ ኣፍራስ ዚቕመጡ ፈአሰኛታት ነበሩ። ምስ ኵላቶም ሕሩያት ኣወዳት ኣሶር ከኣ ኣመንዘረትፍትወት ኣብ እተላዕላ ምስ ኵሎም ጣኦታቶም ድማ ረኸሰት። ምስናይ እዚ ኸኣ ነቲ ምስቶም፣ ብጓላ ኸኣ፣ ምስኣ ዝደቀሱን ድንግል ሕጽና ዝደርቀቑን ዝሙቶም ዝኸዐዉላን ግብጻውያን ምዝማዋ ኣይሐደገትን። ስለዚ ኣብ ኢድ እቶ ፈተውታብፍትወት ምሳታቶም ነዲዳ ዝነበረት፣ ኣብ ኢድ ኣወዳት ኣሶር መጦኽዋ። ንሳቶም ከኣ ዕርቃና ቀልዑነወዳታን ነዋልዳን ማረኽዎም፣ ንእኣ ድማ ብሰይፊ ቀተልዋ። ኣብ ማእከል ኣንስቲ ኽፉእ ስም ወጸ፣ ኣብ ልዕሊኣውን ፍርዲ ተፈርደኦሆሊባ ሓብታ ኸኣ እዚ ረአየትብፍትወታ ኻብኣ ገደደት፣ ምንዝርንኣ ድማ ካብ ምንዝርና ሓብታ በዝሔ። ምስቶም ጐረባብታ ደቂ ኣሶርመሳፍንትን መኳንንትን ዜሐብን ክዳውንቲ እተኸድኑ፡ ኣብ ኣፍራስ ኣተቀመጡ ፈረሰኛታት፡ ኵሎም መልክዔኛታት ኣባጽሕብፍትወት ነደደት። ንሳውን ከም ዝረኸሰት ርኤኹክልቲኤን ሓደ መገዲ ኸዳ። ንሳ ግና ብምንዝርንኣ ሓለፍ በለት፣ ኣብ መንደቕ ከኣ ስእሊ ሰብኡትምስሊ ከለዳውያን ብቐይሕ ቀለም ተሳኢሉቅናት ኣብ ሕቝኦም ተዐጢቖም፣ ገፊሕ መጠምጠምያ ኸኣ ኣብ ርእሶም፣ ኵላቶም መኳንንቲ፣ ኣብታ እተወልዱላ ሃገር ከለዳውያን ምስሊ ደቂ ባቢሎን ዚመስሉ ረአየት። በዒንታ ምስ ረአየቶም ኣባታቶም ብፍትወት ነደደት፣ ናብ ሃገር ከለዳውያን ድማ ልኡኽ ለኣኸትሎም። ደቂ ባቢሎን ከኣ ናብኣ መጹ ምስኣ ብፍትወት ደቀሱብምንዝርናኦም ድማ ኣርከስዋ። ብኣታቶም ምስ ረኸሰት፣ ነፍሳ ኻብኦም ኣግለሰትዝሙታ ምስ ገለጸትዕርቃና ምስ ቀልዔት፣ ከምቲ ነፍሰይ ካብ ሓብታ ዘግለሰት፣ ካብኣ ድማ ነፍሰይ ኣግለሰት። ግናኸ ብዘመን ንእስነታ ኣብ ሃገር ግብጺ ዘመንዘረቶ ዘኪራስምንዝርንኣ ኣብዝሔት። ምስቶም ዘመውቲ፣ ስጋኦም ከም ናይ ኣድጊ ስጋዘርኦም ከም ዘርኢ ኣፍራስ ዝዀነ ኸኣ፣ ብፍትወት ነደደት። ከምኡ፣ እቶም ግብጻውያን ኣባት ጕርዝነት ከሎኺ ዝደርቀቑኺ፣ ርኽሰት ንእስነትኪ ዘከርኪ። ስለዚ ኣቲ ኦሆሊባእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ነቶም ነፍስኺ ኻባታቶም ዘግለሰት ፈተውትኺ ኸተንስኣልኪ እየ። ኪጻረሩኺ እኳ ካብ ኵሉ ወገን ከምጽኦም እየ። ባቢሎናውያንን ኵሎም ከለዳውያንን ጴኮድን ሾዓን ቆዓን፡ ምስኦም ከኣ ኵሎም ኣሶራውያንንመልክዔኛታት ኣባጽሕመሳፍንትን መኳንንትን ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጥ ሓላቑን ውሩያትን፡ ንሳቶም ኣጽዋርን ሰረገላታትን መንኰራዅርን ሒዞም፣ ምስ ብዙሕ ከተቴ ህዝብታት ኪጻረሩኺ ኺመጹ እዮም። ገለብን ዋልታን ቍራዕ ርእስን ሒዞም ብዙርያኺ ኺቃወሙኺ እዮም። ኣነ ኸኣ ፍርዲ ኽህቦም እየ፣ ንሳቶምውን ከም ፍርዶም ኪፈርዱኺ እዮም። ቅንኣተይ ከውርደልኪ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ብነድሪ ኺመዐቱኺ እዮም። ኣፍንጫኽን ኣእዛንክን ኪቘርጹ እዮም፣ እቲ ኻባኺ ዚተርፍ ድማ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ። ነወዳትክን ነዋልድክን ኪማርኽዎም፣ እቲ ኻባኺ ዚተርፍውን ብሓዊ ኪዅመም እዩ። ክዳውንትኺ ኪቕንጥጡኺክቡር ስልማትኪ ኺወስዱልኪ እዮም። ኣዒንቲኺ ናባታቶም ቍሊሕ ከይተብልን፣ ድሕርዚ ኸኣ ግብጺ ኸይትዝክርንሲ፣ ነቲ ኻብ ግብጺ ዝጀመረ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ናብ እቶም እትጸልእዮም፡ ናብ ኢድ እቶም ነፍስኺ ኻብኦም ዘግለሰት ክውፍየኪ እየ እሞ፡ ብጽልኢ ኺካየዱኺ፣ ዅሉ ጻማ ድኻምኪ ኺወስዱልኪዕርቕትን ንውልቅኽን ገይሮም ኪሐድጉኺ እዮም። ናይ ምንዝርናኺ ዕርቃን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ኪግለጽ እዩ። ደድሕሪ ህዝብታት ዒልዒል እናበልኪ ስለ ዝመንዘርኪብጣኦታቶም ከኣ ስለ ዝረኸስኪ፣ እዚ ነገር እዚ ኺወርደኪ እዩ። ብመገዲ ሓብትኺ ኸድኪ፣ ስለዚ ኸኣ ኣነ ናታ ጽዋእ ኣብ ኢድኪ ኽህበኪ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ንስኺ እታ ዓማቝን ገፋሕን ዝዀነት ጽዋእ ሓብትኺ ኽትሰትዪ ኢኺ። ብዙሕ እትሕዝ እያ እሞ መስሓቕን መላገጽን ክትኰኒ ኢኺ። እታ ጽዋእ ሓብትኺ ሰማርያስ ጽዋእ መሰክሕን ጥፍኣትን እያ እሞ፣ ብስኽራንን ብሓዘንን ክትመልኢ ኢኺ። ኣነ እየ እተዛረብኩይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እሞ፣ ክትሰትይያን ክትጽንቅቕያን ገልዑ ኸኣ ክትነኽስንኣፍ ልብኺ ድማ ክትስንጥቕን ኢኺ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ንስኺ ረሲዕክኒብድሕሪ ዝባንኪ ድማ ደርቢኽኒ ኢኺ እሞ፣ ንስኺውን ርኽሰትክን ምንዝርናክን ጹሪእግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብንኦሆላን ንኦሆሊባን ክትፈርደለን ዲኻ፡ እምብኣርስ ጽያፈን ንገረንዘምየን እየን እሞ፣ ኣብ ኣእዳወን ደም ኣለወን፣ ምስ ጣኦታተን ዘምየን፣ ነቶም ንኣይ ዝወለድክዎም ደቀን፣ ሓዊ ኺበልዖምሲ፣ ብእኡ ኣሕለፋኦም። ኣብ ርእሲኡውን እዚ ገበራኒ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ መቕደሰይ ኣጸየፋሰናብተይ ከኣ ኣርከሳደቀን ንጣኦታተን ምስ ሐርዳኦም፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኼርክስኣ ናብ መቕደሰይ መጻ። እንሆ፣ ኻብ፣ ኣብ ማእከል ቤተይ ከምዚ ገበራ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ነቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ ሰብኡት ለኣኻሎምልኡኽ ተላእኮም፣ እንሆ፣ ውን መጹተሐጸብክሎምኣዒንትኺ ተዀሐልክሎምብስልማትውን ተሰለምክሎም። ኣብ ጽቡቕ ዓራት ተቐመጥኪ፣ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ሰደቓ ተዳልዩ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊኡውን ዕጣነይን ዘይተይን ኣንበርኪ። ኣብኣ ድምጺ ሕጉሳት ሰብ ነበረ። ናብቲ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሰብ ኻብ በረኻ ኣምጽኡ። ንሳቶም ከኣ ኣምባር ኣብ ኣእዳወንእጹብ ዘውዲውን ኣብ ኣርእስተን ገበሩ። ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እታ ብዝሙት ዝኣረገት፣ ሎሚ ድማ ምስኣ የመንዝሩ አለዉ፣ በልኩ፣ ከምቲ ናብ ኣመንዝራ ዚኣትዉ፣ ናብኣ አተዉ። ከምኡውን ናብተን ርኹሳት ኣንስቲ ኦሆላን ኦሆሊባን አተዉጻድቃን ሰባት ከኣ፣ ዘመውቲ ስለ ዝዀና ኣብ ኣእዳወን ድማ ደም ስለ ዘለወን፣ ከምቲ ንዘመውቲ፣ ከምቲ ነተን መፍሰስቲ ደም ዚፍረደን ገይሮም፣ ኪፈርድወን እዮም። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣኼባ ህዝቢ ኸውጽኣለን እየ እሞ፣ ንምምራኽን ንዘመተን ኣሕሊፈ ኽህበን እየ። ኣኼባ ኸኣ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልወን፣ በስያፎም ኪቘራርጽወንነወዳተንን ነዋልደንን ኪቐትልዎምኣባይተንውን ብሓዊ ኼንድዱ እዮም። ኵላተን ኣንስቲ ኸምቲ ምንዝርናኽን ከገብራ፣ ምእንቲ ኺመዐዳስንምንዝርና ኻብታ ሃገር ከጥፍኦ እየ። ንምንዝርናኽን ኣብ ልዕሌኽን ኬንብሩልክን እዮም፣ ሓጢኣት ጣኦታትክን ድማ ክትጾራ ኢኽን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጣ ኢኽን።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:17-27 | 9 Helpful votes

ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምበርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይጐይታይዚብለኒ ዅሉመንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓትጐይታይጐይታይብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናንኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናንብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናንኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስልዝናም ዘነመውሒዝ ወሐዘንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስልዝናም ዘነመውሒዝ ወሐዘነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋወደቐትኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:1-24 | 7 Helpful votes

ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱከምቲ ንቕዱሳን ዚግባኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩምዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም። ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ አሎኹም። ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። እምብኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም። ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩምከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎእቲ ብኣታቶም ብሕቡእ ዚግበር ንምዝራቡ እኳ ነውሪ እዩ። ግናኸ እቲ ግሁድ ዘበለ፡ ንሱ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኵሉ ዚግናሕ ዘበለ በቲ ብርሃን ይገሃድ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ፡ ይብል። እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩምከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱተመልከቱምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑዝርገት አለዎ እሞብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩምንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም

Translation | Context
ማርቆስ 9:43-45 | 6 Helpful votes

ኢድካ እንተ ኣስሐተትካቍረጻክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውትሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስቍሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካእግርኻ እንተ ኣስሐተትካውንቁረጻክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊሓሳኻኦም ኣብ ዘይመውትሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ

Translation | Context