Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ።
Translation | Contextስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን።
Translation | Contextብዛዕባ ምዉት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ፡ ጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኻትኩም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
Translation | Contextኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ።
Translation | Contextሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፡ ሰብኣይ ከኣ ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን፡ ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።
Translation | Contextኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ። ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡ ኣዋልዳ ኢኽን።
Translation | Contextመሊሱ እግዚኣብሄር በለ፡ ኣዋልድ ጽዮን ኰሪዔን፡ ክሳውደን ገቲረን፡ በዒንተን ቅምጽ እናበላን ብግንትእ ዚብል ኣረጋግጻን ብሽዋሕዋሕ ዚብል ስልማት እግርን ይኸዳ ኣለዋ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ኬንኲዖ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌጽ ኣምባር እግርን ንጥሉፍ መጐልበብን ንሳንቃ ድርን ኪቕንጥጦ እዩ። ንዂትሻን ኣምባር ኢድን መጐልበብን፡ ንመጠምጠምያን ስጒሚ ኼሕጽር እተሰርሔ ሰንሰለትን ንቕናትን ቢልቃጥ ሽቱን ክታባውትን፡ ንቐለቤት ኣጻብዕን ቀለቤት ኣፍንጫን፡ ንኽዳውንቲ በዓልን ባርኖስን፡ ንመደረብታን ሕልሕሎን፡ ንመስትያትን ቅጭን ዓለባን ንጋማን መጐልበብን ኪቕንጥጦ እዩ። ኣብ ክንዲ ምኡዝ ሽቱ ጺእ ጨና፡ ኣብ ክንዲ ቕናት ከኣ ገመድ፡ ኣብ ክንዲ ጐተና ነዃዕ፡ ኣብ ክንዲ ባርኖስ ከኣ ከሊ፡ ኣብ ክንዲ ጽባቐ መልክዕውን ናይ ንዳድ በሰላ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን።
Translation | Contextስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን።
Translation | Contextእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌጽ ኣምባር እግርን ንጥሉፍ መጐልበብን ንሳንቃ ድርን ኪቕንጥጦ እዩ። ንዂትሻን ኣምባር ኢድን መጐልበብን፡ ንመጠምጠምያን ስጒሚ ኼሕጽር እተሰርሔ ሰንሰለትን ንቕናትን ቢልቃጥ ሽቱን ክታባውትን፡
Translation | Contextኣብ ኢዶም ዝነበሩ ዅሎም ጓኖት ኣማልኽትን ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐላብትን ንያእቆብ ሀብዎ። ያእቆብ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዘሎ ድዋ ሐብኦ።
Translation | Contextንትሰምዕ እዝንን ጥበበኛን ገላጺ ኸም ቀለቤት ወርቅን ከም ስልማት ጽሩይ ወርቅን እዩ።
Translation | Contextነፍሲ ወከፍ ካባና ድማ ኣቕሓ ወርቂ ዝረከበ፡ ኣልቦ፡ ኣምባር፡ ቀለቤት፡ ኲትሻ፡ ድሪ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኼተዐርቐና፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረብና፡ በልዎ።
Translation | Contextመልክዕ ጒንጭኺ ብስልማት፡ ክሳድኪ ብድሪ ሉል ጽቡቕ እዩ።
Translation | Contextከምቲ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ዝደፍኤ መርዓዊ፡ ከምታ ብስልማት እተሰለመት መርዓት፡ እግዚኣብሄር ልብሲ ምድሓን ኣልቢሱኒ፡ ብመርግፍ ጽድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፡ ብእግዚኣብሄር ኣዝየ እሕጐስ፡ ነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ አሎ።
Translation | Contextኰነ ኸኣ፡ እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ኣእከላ፡ እቲ ሰብኣይ ፈረቓ ሲቃል ዝሚዛኑ ቐለቤት ወርቅን ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ኽልተ ኣምባር ወርቂውን ነእዳዋ ኣውጽኤ፡
Translation | Contextፍታው ልቡ ዘለዎም ዘበሉ ሰብኡትን ኣንስትን መጺኦም፡ ኣቝላፍን ቀላብቲ እዝንን ቀላብቲ ኣጻብዕን ኣምባውርትን ኵሉ ኣቓሑ ወርቅን ሀቡ። ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር ህያብ ወርቂ ኣቕረበ።
Translation | Context