Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

weariness


ገላትያ 6:9 | 8 Helpful votes

እንተ ዘይተጸልኣናስብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:28-30 | 7 Helpful votes

እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርንኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧ ንድኹም ሓይሊ ይህብንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉንኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ

Translation | Context
ራእይ 2:3 | 5 Helpful votes

ትዕግስቲ ኸኣ አሎካስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካኣይሰልኬኻን

Translation | Context
እብራውያን 12:3 | 5 Helpful votes

ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ

Translation | Context
ማቴዎስ 11:29-30 | 4 Helpful votes

ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑትኣርዑተይ ፈኵሽጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

Translation | Context
ማቴዎስ 11:28-30 | 4 Helpful votes

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑትኣርዑተይ ፈኵሽጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:29-31 | 4 Helpful votes

ንድኹም ሓይሊ ይህብንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉንኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-10 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።

Translation | Context
ያእቆብ 4:1-2 | 2 Helpful votes

እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧ ትምነዩ እሞ የብልኩምን፡ ትቐትሉን ትቐንኡን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ትበኣሱን ትዋግኡን ኢኹም፡ ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምን

Translation | Context
ዮሃንስ 5:24 | 2 Helpful votes

እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለአኸኒ ዚአምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:10-12 | 2 Helpful votes

ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱመንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዋም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም

Translation | Context
ሮሜ 3:4 | 2 Helpful votes

ያእ ኣይፋሉንከምቲብቓላትካ ኽትጸድቕምስ ዚፍረደካውን ከትረትዕ ኢኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑኲሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኸብ።

Translation | Context