Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ። ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧ ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧
Translation | Contextሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ።
Translation | Contextበሎም፥ ሕጂ ግና ማሕፉዳ ዘልዎ ይማላእ፡ ከምእዉን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ፡
Translation | Contextእግዚኣብሄር እምባይ፣ ነእዳወይ ውግእ፣ ነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረ፣ ይባረኽ።
Translation | Contextኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪፈርድ፡ ንብዙሓት ህዝብታትውን ኪዳንዮም እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።
Translation | Contextደሓር ከኣ፥ እቲ ብዘይ ማሕፉዳ፡ ብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲ፡ ገለዶ ጐዲሉኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ሓንቲ እኳ በሉ። በሎም፥ ሕጂ ግና ማሕፉዳ ዘልዎ ይማላእ፡ ከምእዉን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ፡ ማለት እቲ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣባይ ኪፍጸም ብግዲ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ እወ፡ እቲ ብዛዕባይ ቅድም እተባህለ ይፍጸም አሎ። ንሳቶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ኽልተ ሰይፊ አሎ፡ በሉ። ንሱውን፥ ይኣክል፡ በሎም።
Translation | Contextንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኲሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዂሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር፡ ጽድቆምውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡
Translation | Contextፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።
Translation | Contextእቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።
Translation | Contextዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ።
Translation | Contextእተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።
Translation | Context