Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።
Translation | Contextእቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን።
Translation | Contextዝአመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘያኣመነ ግና ኪዅነን እዩ።
Translation | Contextሕጂኸ ንምንታይ እትድንጒ፡ ተንሲእካ ተጠመቕ፡ ስም ጐይታ ጸዊዕካ ኻብ ሓጢኣትካ ተሐጸብ፡ በለኒ።
Translation | Contextየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይ ተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን።
Translation | Contextኣነስ ንንስሓ ብማይ ኤጥምቐኩም አሎኹ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።
Translation | Contextብስም የሱስ ክርስቶስ ኪጥመቑ ኸኣ ኣዘዘ። ድሕርዚ ድማ ቅሩብ መዓልቲ ምሳታቶም ኪቕኒ ለመንዎ።
Translation | Contextብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም።
Translation | Contextመገዲ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ማይ በጽሑ። እቲ ስሉብ ከኣ፡ እንሆ ማይ፡ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧ በለ። ፊልጶስ ከኣ፡ ብዂሉ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፡ ይዀነልካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ነታ ሰረገላ ደው ኬብልዋ ኸኣ ኣዘዘ፡ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኣቶም ናብቲ ማይ ወረዱ፡ ኣጥመቖውን። ካብ ማይ ምስ ወጹ ኸኣ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ መንዝዖ። እቲ ስሉብ ድማ ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ እምበር፡ መሊሱ ኣይረኣዮን።
Translation | Contextየሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረአየ።
Translation | Contextስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።
Translation | Contextየሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።
Translation | Contextወይስ ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧
Translation | Contextብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም።
Translation | Contextነታ ሰረገላ ደው ኬብልዋ ኸኣ ኣዘዘ፡ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኣቶም ናብቲ ማይ ወረዱ፡ ኣጥመቖውን።
Translation | Contextገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።
Translation | Contextእምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፡ ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና። እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና አሎና። እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፡ ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር፡ ንኣምን አሎና። ማለት፡ ሞቱ ሓንሳእ ንዂሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት እዩ ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዚነብር። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ የሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቊጸሩ። እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ። ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ። እንታይከ ንበል፧ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሓጢኣትዶ ንግበር፧ ያእ ኣይፋልናን። ንምእዛዙ ባሮት ክትኰኑ ርእስኹም ንትህብዎ፡ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ ንሞት፡ ንምእዛዝ እንተ ዀይኑ ንጽድቂ፡ ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ቀደም ባሮት ሓጢኣት ኔርኩምሲ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ምስ ወጻእኩም፡ ንጽድቂ ተገዛእኩም፡ ነቲ እተወሃብኩምዎ ምሳሌ ምህሮ ኻብ ልቢ ስለ እተኣዘዝኩም ግና፡ ንኣምላኽ ስብሓት ይዅኖ።
Translation | Contextሽዑ ጴጥሮስ፡ እዚኣቶምስ ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧ ኢሉ መለሰ።
Translation | Context