Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ። ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑ።
Translation | Contextነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
Translation | Contextኣታ ሃካይ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ በጥ እትብል፡ መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትንስእ፡ ሓንሳእ ምድቃስ፡ ሓንሳእ ከኣ ምትካስ፡ ሓንሳእ ምእንቲ ኽትዐርፍውን ኣእዳውካ ምምስቓል፡ ድሕርዚ ኸኣ ድክነትካ ኸም ፈጣን መንገደኛ፡ ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዐጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።
Translation | Contextንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ አለዎ።
Translation | Contextጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና።
Translation | Contextኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፡ መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን። ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ወይ ገዛኢ የብሉን፡ ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ፡ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ።
Translation | Contextጊዜ እናዓደግኩም፡ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextእቲ ዝሰረቐ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ።
Translation | Contextንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ጽድቂ ኸኣ ክሳዕ ዜዝንመልኩምሲ፡ ንእግዚኣብሄር እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ፡ ንኣካትኩም ብጽድቂ ዝርኡ፡ ከም መጠን ምሕረቱ ኸኣ ዕጸዱ፡ ሓድሽ ጽግኢውን ጽግኡ።
Translation | Contextኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣኣምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ፡ እንሆ ድማ፡ ተዀርባ በቝልዎ፡ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ። ልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩ፡ ቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዐርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቃል፡ ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱ፡ ንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ።
Translation | Contextንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእያስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም።
Translation | Contextእቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ ብመስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሐለፈ ዘመን ይኣክል እዩ።
Translation | Contextከምቲ ማዕጾ ኣብ ወንድወንዶኡ፡ ሃካይውን ከምኡ ኣብ ዓራት ይዘውር።
Translation | Context