Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

warriors


ኤፌሶን 6:10-18 | 13 Helpful votes

ብዝተረፈስኣሕዋተይብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውንማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ

Translation | Context
ኤፌሶን 6:11 | 12 Helpful votes

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ

Translation | Context
መዝሙር 144:1-2 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር እምባይነእዳወይ ውግእነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረይባረኽጸጋይዕርደይእምባይመድሓንየይዋልታይ፣ እቲ ዝውከሎንህዝበይ ዜግዝኣለይ ንስኻ ኢኻ።

Translation | Context
መክብብ 3:8 | 6 Helpful votes

ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ።

Translation | Context
ሮሜ 13:4 | 5 Helpful votes

እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ

Translation | Context
ኢሳይያስ 9:5 | 3 Helpful votes

ሰብ ኣብ ውግእ እተዐጥቆ ዘበለ ኣጽዋርንብደም እተዐለሰ ኽዳንን ኪነድድሓዊ ድማ ኪበልዖ እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:1-7 | 3 Helpful votes

ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብተጀሃርቲዕቡያትተጻረፍቲንወለዶም ዘይእዘዙዘየማስዉርኹሳትፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎምተቐየምቲሓመይቲቀለልቲጨካናትሰናይ ዘይፈትዉኣሕሊፎም ዚህቡህዉኻትተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎምነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣንኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ

Translation | Context
ህዝቅኤል 25:17 | 3 Helpful votes

ብመዓት ነድሪ ኸኣ ብርቱዕ ምፍዳይ ሕነ ኽፈድዮም እየ። ሕነይ ምስ ፈዴኽዎም፣ ሽዑ ኣነ እግዚብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 2 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 2 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
መዝሙር 1:1-6 | 2 Helpful votes

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትንዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።

Translation | Context
ሮሜ 13:1-14 | 2 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነንክትግዝእዎም ዚግብኣኩምገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ። እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙኣይትቕተልኣይትስረቕብሓሶት ኣይትመስክርኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። ምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋለይቲ ሐሊፋመዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስኣጽዋር ብርሃን ንልበስከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስብጓይላን መስተን ኣይኰነንብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ

Translation | Context
ዮሃንስ 16:33 | 2 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹምኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹምግናኸ ኣጆኹምኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context