Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ስለዚ ዅሉ ሳዕ እሙንቶ አላትና፡ ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና እሞ፡ ኣብ ስጋ ሰፊርና ኸሎና፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።
Translation | Contextብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።
Translation | Contextእቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና። እቲ ዚርኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና።
Translation | Contextእምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።
Translation | Contextእምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ።
Translation | Contextእምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ። ብእኣ እዩ ነቶም ዓበይቲ እተመስከረሎም። ዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረት፡ ከምኡውን እቲ ዚርኤ ኻብ ዘይርኤ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕሎ አሎና። ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ። ኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ፡ ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉ፡ ብምዉቱ ኸኣ ገና ብእኣ ገይሩ ይዛረብ አሎ። ሄኖክ፡ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ገዓዘ፡ ቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረ፡ ተመስኪሩሉ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ፡ ኣይተረኽበን። ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ። ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረአየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ። ብእኣ ገይሩ ንዓለም ኰነና፡ ነቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነ። ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔኤ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረአየቶ፡ ዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት። ስለዚ ድማ ካብ ሓደ፡ ንሱውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ዘይቝጸር ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ዝምብዛሖም ተወልዱ። እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ፡ ብእምነት ሞቱ። እቶም ከምዚ ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ አለዉ። ነታ ዝወጹላ ሃገር ሐሲቦም እንተ ዝዀኑስ፡ ኪምለሱ ጊዜ ነይርዎም። ሕጂ ግና እትሐይሽ፡ ማለት ሰማያዊት፡ ይናፍቑ አለዉ፡ ስለዚ ድማ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳሊውሎም አሎ እሞ፡ ኣምላኾም ኪብሃል ብኣታቶም ኣይሐፍርን እዩ። ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ። ኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ ሐሲቡ፡ ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ። ይስሃቅ ብናይቲ ዚመጽእ ነገር ንያእቆብን ንኤሳውን ብእምነት ባረኾም። ያእቆብ ኪመውት ከሎ፡ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መረቖም፡ ኣብ ኣንፊ በትሩ ተመርኵሱ ኸኣ ሰገደ። ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ኣዘከረ፡ ብዛዕባ ኣዕጽምቱውን ትእዛዝ ሃበ። ሙሴ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮም፡ ብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሐብእዎ፡ ኣዋጅ እቲ ንጉስውን ኣይፈርሁን። ሙሴ ምስ ዓበየ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል፡ ብእምነት ኣበየ እሞ፡ ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ፡ ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ። ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄ፡ ብእምነት ንግብጺ ሐደጋ። እቲ በዅሪ ዜጥፍእ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቀርቦም፡ ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ገበረ። ብእምነት ከም ብንቑጽ ምድሪ ገይሮም ንባሕሪ ኤርትራ ተሳገርዎ፡ ግብጻውያን ግና ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ፡ ተዋሕጡ። ቀጽሪ ያሪኮ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፡ ብእምነት ወደቐ። ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶም፡ ብእምነት ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍኤትን። እሞኸ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡ እኒ ባራቅ፡ እኒ ሳምሶን፡ እኒ ይፍታሄ፡ እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ነብያትን እንታይ ክብል እየ፧ ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ጊዜ ይሐጽረኒ እዩ። ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ሰዓሩ፡ ጽድቂ ገበሩ፡ ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡ፡ ኣፍ ኣናብስ ዓጸዉ፡ ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፡ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሐኑ፡ ካብ ድኻም በርትዑ፡ ኣብ ውግእ ሐየሉ፡ ንሰራዊት ኣህዛብ ኣህደምዎም። ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም። ካልኦትውን ተሰቀዩ እሞ፡ ዚሐይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ምሕረት ኣይደለዩን። ገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ። ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ፡ ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ። ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየ፡ እዚኦም ኵላቶም፡ ብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።
Translation | Contextከምቲ ጽሑፍ፡ ጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር፡ ዚብል፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ ይገሃድ እዩ።
Translation | Contextንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextእምበኣርሲ ኣብርሃም ኣቦና፡ ብስጋ እንታይ ረኺቡ፡ ክንብል ኢና፡ ኣብርሃም ብግብሪ ጸዲቑ እንተ ዝኸውንሲ፡ ገለ ዚምክሓሉ ምረኸበ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ኣይኰነን። እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል፧ ኣብርሃም ብኣምላኽ ኣመነ እሞ እዚ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ። ነቲ ዚገብር ግና ዓስቡ ኸም ዕዳ ዀይኑ እዩ እምበር፡ ከም ጸጋ ኣይኰነን ዚቚጸረሉ። ነቲ በቲ ንሓጥእ ዜጽድቕ ዚአምን እምበር፡ ዘይገብር ግና፡ እታ እምነቱ ንጽድቂ ትቚጸረሉ እያ። ዳዊት ከኣ ነቲ፡ ኣምላኽ ብዘይግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ ሰብ ብጹእ እዩ ከም ዚበሎ፡ እቶም ዓመጻኦም እተሓድገሎም ሓጢኣቶምውን እተኸድነሎም፡ ብጹኣን እዮም። ኣምላኽ ሓጢኣቱ ዘይቁጸረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እምበኣርከ፡ ንኣብርሃም እታ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ፡ ንብል አሎና እሞ፡ እዛ ብጽእና እዚኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ ወይስ ንዘይተገዝሩውን፡ ከመይ ኢላኸ እያ እተቘጽረትሉ፧ ብግዝረት ከሎ ድያ ወይስ ብዘይግዝረት፧ ብዘይግዝረት ከሎ እያ እምበር፡ ብግዝረት ከሎስ ኣይኰነትን። ነቶም ጽድቂ ምእንቲ ኪቝጸረሎም ኢሎም ከይተገዝሩ ኸለዉ ዚአምኑ ዂሎም፡ ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንማሕተም እታ ብዘይግረት ከሎ ዝረኸባ ጽድቂ እምነት ናይ ግዝረት መፈለጥታ ተቐበለ። ኣቦ ግዙራትውን ኪኸውን፡ ማለት፡ ነታ ንኣብርሃም ኣቦና ብዘይግዝረት ከሎ ዝነበረቶ እምነት፡ ኣስኣሰራ ንዚኸዱ እምበር፡ ካብ ግዝረት ንዘበሉ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ንኣብርሃም ወይስ ንዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ምእንቲ ኪኸውን፡ እተዋሃበቶ ተስፋ ብጽድቂ እምነት እያ እምበር፡ ብሕጊ ኣይኰነትን እሞ፡ እቶም ካብ ሕጊ ዝዀኑ እንተ ዚወርሱስ፡ እምነት ከንቱ ምዀነት፡ እታ ተስፋውን ምተጠልመት ነይራ። እቲ ሕግስ ቊጥዓ እዩ ዜምጽእ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና፡ ኣብኡ ምፍራስውን የልቦን። ስለዚ ኻብ እምነት ኣብርሃም ንዝዀነ ዂሉ ዘርኢ ኸኣ እዩ እምበር፡ ካብ ሕጊ ንዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ተስፋ ኽትጸንዕ፡ ብጸጋ ምእንቲ ኪኽውንሲ፡ ብእምነት እዩ ዚኸውን። ኣብርሃም ከኣ ኣቦ ዂላትና እዩ፡ ከምቲ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ አሎኹ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኣመኖ፡ ንምዉታት ዜተንስኦም፡ ነቲ ዘየሎውን ከም ህልዊ ገይሩ ዚጽውዖ ኣምላኽ፡ ከምቲ ብሁል ድማ፡ ዘርእኻ ኸምዚ ኪኸውን እዩ፡ ተስፋ ኣብ ዜብሉስ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ ኣመነ። ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ፡ ሙማት ስጋኡን ሙማት ማሕጸን ሳራን እናረኣየ፡ ንምእማን ኣይደኸመን፡ ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ንምእማን በርትዔ እምበር፡ ነታ ተስፋ እምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይተዋላወለን። ነታ ዝሃቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ፡ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። ስለዚ ድማ ንጽድቂ ተቘጽረትሉ። እዚ ኸኣ ስሌናውን እምበር፡ ስሊኡ ጥራይ ከም እተቘጽረሉ ኣይተጻሕፈን። ንኣና፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ንንኣምን ከኣ፡ ይቚጸረልና እዩ። ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።
Translation | Contextአብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄር፣ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፣ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፣ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፣ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፣ ከናግፎ፣ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፣ ከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፣ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፣ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።
Translation | Context