Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

walking by faith


2ይ ቈረንቶስ 5:7 | 11 Helpful votes

ስለዚ ዅሉ ሳዕ እሙንቶ አላትና፡ ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና እሞ፡ ኣብ ስጋ ሰፊርና ኸሎና፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 10 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 11:6 | 9 Helpful votes

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 4:16-18 | 6 Helpful votes

እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና። እቲ ዚርኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና።

Translation | Context
ሮሜ 10:17 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 11:1 | 4 Helpful votes

እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ

Translation | Context
እብራውያን 11:1-40 | 4 Helpful votes

እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ። ብእኣ እዩ ነቶም ዓበይቲ እተመስከረሎምዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረትከምኡውን እቲ ዚርኤ ኻብ ዘይርኤ ኸም ዝዀነብእምነት ነስተውዕሎ አሎና። ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ፡ ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉብምዉቱ ኸኣ ገና ብእኣ ገይሩ ይዛረብ አሎ። ሄኖክሞት ምእንቲ ኸይርኢብእምነት ገዓዘቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረተመስኪሩሉ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞኣይተረኽበንብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ። ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረአየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወብእኣ ገይሩ ንዓለም ኰነናነቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔኤብእምነት ተኣዘዘናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣንመሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረአየቶዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት። ስለዚ ድማ ካብ ሓደ፡ ንሱውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ዘይቝጸር ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ዝምብዛሖም ተወልዱ። እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑብእምነት ሞቱ። እቶም ከምዚ ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩየርእዩ አለዉ። ነታ ዝወጹላ ሃገር ሐሲቦም እንተ ዝዀኑስኪምለሱ ጊዜ ነይርዎምሕጂ ግና እትሐይሽ፡ ማለት ሰማያዊትይናፍቑ አለዉ፡ ስለዚ ድማ ኣምላኽከተማ ኣዳሊውሎም አሎ እሞ፡ ኣምላኾም ኪብሃል ብኣታቶም ኣይሐፍርን እዩ። ኣብርሃም ምስ ተፈተነብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ ሐሲቡ፡ ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦይስሃቅ ብናይቲ ዚመጽእ ነገር ንያእቆብን ንኤሳውን ብእምነት ባረኾም። ያእቆብ ኪመውት ከሎ፡ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መረቖም፡ ኣብ ኣንፊ በትሩ ተመርኵሱ ኸኣ ሰገደዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ኣዘከረብዛዕባ ኣዕጽምቱውን ትእዛዝ ሃበ። ሙሴ ምስ ተወልደወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮምብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሐብእዎኣዋጅ እቲ ንጉስውን ኣይፈርሁንሙሴ ምስ ዓበየወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃልብእምነት ኣበየ እሞ፡ ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ፡ ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄብእምነት ንግብጺ ሐደጋ። እቲ በዅሪ ዜጥፍእ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቀርቦምብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ገበረ። ብእምነት ከም ብንቑጽ ምድሪ ገይሮም ንባሕሪ ኤርትራ ተሳገርዎግብጻውያን ግና ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑተዋሕጡቀጽሪ ያሪኮ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎብእምነት ወደቐረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶምብእምነት ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍኤትን። እሞኸ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡ እኒ ባራቅ፡ እኒ ሳምሶን፡ እኒ ይፍታሄ፡ እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ነብያትን እንታይ ክብል እየ፧ ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ጊዜ ይሐጽረኒ እዩ። ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ሰዓሩጽድቂ ገበሩ፡ ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡኣፍ ኣናብስ ዓጸዉንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፡ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሐኑካብ ድኻም በርትዑ፡ ኣብ ውግእ ሐየሉንሰራዊት ኣህዛብ ኣህደምዎምኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦምካልኦትውን ተሰቀዩ እሞ፡ ዚሐይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ምሕረት ኣይደለዩንገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ። ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙተፈተኑተሰይፎም ሞቱኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑጸበቦምሓሳረ መከራ ጸገቡ፡ ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ። ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየእዚኦም ኵላቶምብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን

Translation | Context
ሮሜ 1:17 | 3 Helpful votes

ከምቲ ጽሑፍጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር፡ ዚብል፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ ይገሃድ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:15 | 3 Helpful votes

ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-9 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
ሮሜ 4:1-25 | 2 Helpful votes

እምበኣርሲ ኣብርሃም ኣቦናብስጋ እንታይ ረኺቡክንብል ኢና፡ ኣብርሃም ብግብሪ ጸዲቑ እንተ ዝኸውንሲ፡ ገለ ዚምክሓሉ ምረኸበ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ኣይኰነን። እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብልኣብርሃም ብኣምላኽ ኣመነ እሞ እዚ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ። ነቲ ዚገብር ግና ዓስቡ ኸም ዕዳ ዀይኑ እዩ እምበር፡ ከም ጸጋ ኣይኰነን ዚቚጸረሉ። ነቲ በቲ ንሓጥእ ዜጽድቕ ዚአምን እምበር፡ ዘይገብር ግና፡ እታ እምነቱ ንጽድቂ ትቚጸረሉ እያ። ዳዊት ከኣ ነቲ፡ ኣምላኽ ብዘይግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ ሰብ ብጹእ እዩ ከም ዚበሎእቶም ዓመጻኦም እተሓድገሎም ሓጢኣቶምውን እተኸድነሎምብጹኣን እዮም። ኣምላኽ ሓጢኣቱ ዘይቁጸረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እምበኣርከንኣብርሃም እታ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ፡ ንብል አሎና እሞ፡ እዛ ብጽእና እዚኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ ወይስ ንዘይተገዝሩውን፡ ከመይ ኢላኸ እያ እተቘጽረትሉብግዝረት ከሎ ድያ ወይስ ብዘይግዝረትብዘይግዝረት ከሎ እያ እምበር፡ ብግዝረት ከሎስ ኣይኰነትን። ነቶም ጽድቂ ምእንቲ ኪቝጸረሎም ኢሎም ከይተገዝሩ ኸለዉ ዚአምኑ ዂሎም፡ ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንማሕተም እታ ብዘይግረት ከሎ ዝረኸባ ጽድቂ እምነት ናይ ግዝረት መፈለጥታ ተቐበለኣቦ ግዙራትውን ኪኸውን፡ ማለት፡ ነታ ንኣብርሃም ኣቦና ብዘይግዝረት ከሎ ዝነበረቶ እምነትኣስኣሰራ ንዚኸዱ እምበር፡ ካብ ግዝረት ንዘበሉ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ንኣብርሃም ወይስ ንዘርኡወራስ ዓለም ምእንቲ ኪኸውን፡ እተዋሃበቶ ተስፋ ብጽድቂ እምነት እያ እምበር፡ ብሕጊ ኣይኰነትን እሞ፡ እቶም ካብ ሕጊ ዝዀኑ እንተ ዚወርሱስእምነት ከንቱ ምዀነት፡ እታ ተስፋውን ምተጠልመት ነይራ። እቲ ሕግስ ቊጥዓ እዩ ዜምጽእ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና፡ ኣብኡ ምፍራስውን የልቦን። ስለዚ ኻብ እምነት ኣብርሃም ንዝዀነ ዂሉ ዘርኢ ኸኣ እዩ እምበር፡ ካብ ሕጊ ንዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ተስፋ ኽትጸንዕ፡ ብጸጋ ምእንቲ ኪኽውንሲ፡ ብእምነት እዩ ዚኸውን። ኣብርሃም ከኣ ኣቦ ዂላትና እዩ፡ ከምቲ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ አሎኹ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኣመኖንምዉታት ዜተንስኦም፡ ነቲ ዘየሎውን ከም ህልዊ ገይሩ ዚጽውዖ ኣምላኽከምቲ ብሁል ድማ፡ ዘርእኻ ኸምዚ ኪኸውን እዩ፡ ተስፋ ኣብ ዜብሉስኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ ኣመነኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ፡ ሙማት ስጋኡን ሙማት ማሕጸን ሳራን እናረኣየንምእማን ኣይደኸመን፡ ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ንምእማን በርትዔ እምበር፡ ነታ ተስፋ እምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይተዋላወለን። ነታ ዝሃቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ፡ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። ስለዚ ድማ ንጽድቂ ተቘጽረትሉ። እዚ ኸኣ ስሌናውን እምበር፡ ስሊኡ ጥራይ ከም እተቘጽረሉ ኣይተጻሕፈን። ንኣና፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ንንኣምን ከኣ፡ ይቚጸረልና እዩ። ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 2 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄርጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮእከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካንስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒከናግፎንስመይ ስለ ዝፈለጦከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context