Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ፡ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ።
Translation | Contextብእግዚኣብሄር ተሰፎ፣ በርትዕ፣ ልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።
Translation | Contextእቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር እጽበ፣ ነፍሰይ ትጽበ አላ፣ ብቓሉውን ተስፋ እገብር አሎኹ። ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሐለውቲ፣ እወ፣ ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ አላ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ፣ በቲ ብመገዱ ዚሰልጠሉ፣ በቲ ሕሱም ሃቐና ዚፍጽም ሰብ ኣይትዀሪ።
Translation | Contextሕጂኸ እንታይ እጽበ አሎኹ፧ ጐይታየ፣ ተስፋይ ብኣኻ እዩ።
Translation | Contextኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፡ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር አሎኹ፡ ኣምላኸይውን ኪሰምዓኒ እዩ።
Translation | Contextትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ፣ ነፍሰየ፣ ብኣምላኽ ጥራይ ሀዲእኪ ተጸበዪ።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ፡ ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዂላቶም ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር ምሐረና፡ ንኣኻ ንጽበ አሎና። ኣብ ጸጽባሕ ቅልጽሞም፡ ብጊዜ ጸበባ ኸኣ ምድሓንና ኹን።
Translation | Contextነፍስና ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ፣ ሓገዝናን ዋልታናን ንሱ እዩ።
Translation | Contextእምባይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣ ኣታ ሓይለይ፣ ኣባኻ ኣዕቊበ እኔኹ።
Translation | Contextእዚ ስለ ዝገበርካ፣ ንሓዋሩ ኸመስግነካ፣ ስምካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳንካ ኽጽበዮ እየ።
Translation | Context