Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

vows


መክብብ 5:4-6 | 11 Helpful votes

ንኣምላኽ እንተ ተመባጻዕካሉንምፍጻሙ ኣይትደንጉብዓያሱ ባህ ኣይብልን እዩ እሞ፡ ነቲ እተመባጽዕካዮ ፈጽሞተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስዘይምምብጻዕ ይሐይሽ። ብዙሕ ሕልሚ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሕ ከንቱነትን ብዙሕ ቃላትን አሎ እሞ፡ ስጋኻ ሓጢኣት ከየገብርስ፡ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሀቦ፡ ኣብ ቅድሚ ልኡኽውንጌጋ እዩ፡ ኣይትበል። ስለምንታይከ ኣምላኽ ብደሃይካ ዚዅርን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ዜጥፍኦን፡ ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃዮ ደኣ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:12 | 7 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እዌኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ፡ ወይስ ብምድሪ፡ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሐሉ

Translation | Context
ዘዳግም 23:21-23 | 7 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መብጽዓ ምስ ተማባጻዕካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዛዕባኡ ኻባኻ ጸብጻብ ኪደሊ እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ከይዀነካ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ። እንተ ዘይተማባጻዕካ ግና፡ ሓጢኣት የብልካን። እቲ ኻብ ከናፍርካ ዝወጸ፡ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብፍቓድካ እተማባጻዕካዮኣፍካ እተዛረቦ ሐልዎን ግበሮን

Translation | Context
ዘሁልቍ 30:1-16 | 5 Helpful votes

ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ፡ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ነገሮም። ሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩኢሉ ተዛረቦምሰብ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔወይ ምሒሉ፡ ገለ ነገር ይትረፈኒ ብምባል፡ ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሰረቃሉ ኣየፍርስከምቲ ኻብ ኣፉ ዝወጸ ዅሉ ይግበርሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔት፡ ብገለ ማእሰር ከኣ እንተ ተኣስረትኣቦኣ ድማ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን እንተ ሰምዔ፡ እሞ ኣቦኣ ብዛዕባ እዚ ስቕ እንተ በለ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑምእቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ኸኣ ይቑም። ኣቦኣ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ኲሉ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን ኣይቑም። ኣቦኣ እዩ ዝኸልኣ እሞ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ይቕረ ኺብለላ እዩ። ተማባጺዓ ኸላ፡ ወይ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ቓል እንተ መለቛ እሞ፡ ብእኡ ነፍሳ ኣሲራ ኸላ ኣብ ሰብኣይ እንተ ተአትወትእቲ ሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ እንተ በለ፡ እቲ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪኣ ድማ ይቑም። እቲ ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ንሱ ነቲ መብጽዓኣን ነቲ ብእኡ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓልን ከንቱ ይገብሮእግዚኣብሄር ከኣ ኪሐድገላ እዩ። ናይ መበለት ወይ ናይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብጾኣ ግናነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ ይቑመላኣብ ቤት ሰብኣያ ኸላ ድማ፡ እንተ ተማባጽዔት ወይ ብናይ ማሕላ መእሰሪ ነፍሳ እንተ ኣሰረትሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ ስቕ እንተ በለ እሞ እንተ ዘይከልኣ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ድማ ይቑም። ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ብዛዕባ መብጽዓኣ ወይ ብዛዕባ እቲ እተኣስረትሉካብ ኣፋ ዝወጾ ዅሉ ኣይቐውምን። ሰብኣያ እዩ ኸንቱ ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ይቕረ ኺብለላ እዩነፍሳ ኸተትሕት ኢላ እተማባጾዓቶ ዅሉ ወይ ናይ ማሕላ መእሰሪ ዘበለ ሰብኣያ የቚሞ፡ ሰብኣያ ኸኣ ከንቱ ይገብሮሰብኣያ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ ስቕ እንተ በለ ግና፡ ንዅሉ መብጾዓኣን ንዅሉ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ መእሰሪኣን ኣቘሞበታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣቘሞ። ምስ ሰምዔ፡ ጸኒሑ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ንሱ በደላ ይጸውር።

Translation | Context
ዘሁልቍ 30:2 | 5 Helpful votes

ሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩኢሉ ተዛረቦም

Translation | Context
መዝሙር 76:11 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄርንኣምላኽኩምተመባጽዑሉ ፈጽምዎ ኸኣ። ኣቱም ኣብ ዙርያኡ ዘሎኹም ኵሉኹም፣ ገጸ በረኸት ነቲ ዜፍርህ ኣቕርቡሉ

Translation | Context
መዝሙር 61:8 | 3 Helpful votes

ንስምካ ንሓዋሩ ኽዝምረሉ፣ ከምዚ ገይረ ነንመዓልቲ መብጽዓይ ክፈዲ እየ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 5:1-11 | 3 Helpful votes

ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ሰጲራ ሰበይቱ ምድሩ ሸጠ። ካብቲ ዋጋኡ ኸኣ ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ መቒሉ ኣትረፈ፡ ነቲ ሓደ ምቃል ድማ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮጴጥሮስ ከኣ፡ በል ሃናንያንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ኻብ ዋጋ እቲ ምድሪ ኸኣ መቒልካ ኽትሐብእሲስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ፧ ከይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገርዚ ብልብኻ ሐሰብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሐሶኻን፡ በሎ። ሃናንያ እዚ ቓልዚ ምስ ሰምዔወደቐነፍሱ ኸኣ ወጸት። እቶም እዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ኣዝዮም ፈርሁኣጒባዝ ድማ ተንሲኦም ገነዝዎተሰኪሞም ኣውጺኦምውን ቀበርዎ። ኰነ ኸኣ፡ ብድሕሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፡ እቲ ዝዀነ ኸይፈለጠትኣተወትጴጥሮስ ከኣ፡ እስኪ ንገርኒንመሬትኩምዶ በዚ ኽንድዚ ኢኹም ዝሸጥኩምዎ፧ ኢሉ መለሰላ። ንሳ ኸኣ፡ እወ፡ በዚ ኽንድዚ እዩ፡ በለትጴጥሮስ ድማ፡ ከመይከ መንፈስ እግዚኣብሄር ንምፍታን እተሰማማዕኩምኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ እንሆ፡ ኣብ ደገ ኣለዋ፡ ንኣኺ ድማ ኬውጽኡኺ እዮም፡ በላብኡብኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ወደቐት እሞ ነፍሳ ወጸት። እቶም ኣጒባዝ ምስ ኣተዉ፡ ሞይታ ጸንሓቶምተሰኪሞም ኣውጺኦም ከኣ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ። ኣብ ብዘላ እታ ማሕበርን ኣብቶም ነዚ ነገርዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂላቶምን ከኣ ብዙሕ ፍርሃት ኰነ።

Translation | Context
መዝሙር 61:5 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ፣ ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካስምካ ንዚፈርሁ ርስቲ ትህቦም አሎኻ እሞ፣ ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኤዕቊብ አሎኹ። [ሴላ።]

Translation | Context
እዮብ 22:27 | 3 Helpful votes

ክትልምኖ፡ ንሱውን ኪሰምዓካ እዩ፡ ምብጽዓኻውን ክትፍጽም ኢኻ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:33-37 | 2 Helpful votes

ድማ ነቶም ቀዳሞትማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል፡ ከም ተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ብሰማያት ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ። ካብ ጸጒሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ ኣሞብርእስካ እኳ ኣይትምሐልነገርኩምሲእወእወኣይኰነንኣይኰነን ደኣ ይኹንካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 20:25 | 2 Helpful votes

ብሃንደበት እተቐደሰ እዩ ምባልን ድሕሪ መብጽዓ ምምርማርንሲ፡ ንሰብ መፈንጠራ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 56:12 | 2 Helpful votes

ኣምላኽመብጽዓኻ ኣብ ልዕለይ አሎ፣ ኣብ ብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመላለስሲንነፍሰይ ካብ ሞትነእጋረይውን ካብ ውድቀት ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 5:4-13 | 2 Helpful votes

ወይ ሓደ ገለ ኽፉእ ወይ ጽቡቕ ንምግባርዝዀነ ይኹን ሰብ ብዘይ ሓሳብ ከም ዚምሕልከይፈለጠ ብዘይ ሓሳብ ብኸናፍሩ እንተ መሐለ እሞ ምስ ተፈለጦ፡ ብሓደ ኻብዚ ነገርዚ በዳሊ እዩ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብዚ ነገርዚ ብሓደ ምስ በደለ፡ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ። ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ ንመስዋእቲ በደሉ ኻብ መጓሴኡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓንቲ ሽበን ወይ ኣርሕዶ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉእቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ ሓጢኣቱ የተዐርቆንበጊዕ ዝኣክል ዓቅሚ እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ ንመስዋእቲ እቲ ዝገበሮ በደል ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ መስዋእቲ ሓጢኣትሓንቲ ኸኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉናብ ካህን የምጽኣየን፡ ንሱ ኸኣ ቅድም እታ መስዋእቲ ሓጢኣት እትኸውን የቅርብርእሳ ኸይፈለየስካብ ጥቃ ኽሳዳ ይጥወያካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይንጸግነቲ ዝተረፈ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይጽመቆንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩነታ ኻልአይቲ ኸኣ ከምቲ ስርዓት ዚሐርር መስዋእቲ ይግበራእቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ የተዐርቆይሕደገሉ ኸኣንኽልተ ባሬቶ ወይ ንኽልተ ጫጩት ርግቢ ዓቅሚ እንተ ዜብሉ ግና፡ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ዓስራይ ኣፍ ኤፉ ድኹም ሓርጭ የምጽእ። መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይኽዐወሉዕጣን ከኣ ኣይግበረሉ። ናብቲ ኻህን ድማ የምጽኣዮእቲ ኻህን ከኣ ካብኡ ንመዘከርታ ኢዱ ምሉእ ወሲዱኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሕርሮ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩብሓደ ኻብዚ ነገርዚ ንዝበደለ እቲ ኻህን የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ። እቲ ዝተረፈ ድማ ከምቲ ናይ መስዋእቲ ብልዒ ንኻህናት ይኹን።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:11 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ፡ ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎንኢላ መብጽዓ ተማባጽዔት።

Translation | Context
መዝሙር 66:13 | 2 Helpful votes

መስዋእቲ ምሕራር ሒዘ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ እቲ ኸናፍረይ እተዛረቦጸቢቡኒ ኸሎኹ ኣፈይ ዝበሎ መብጽዓታተይ ንኣኻ ኽፍጽሞ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 116:14-19 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣነ ባርያኻ እየ፣ ባርያኻ፣ ወዲ እታ ባርያኻ እየ፣ መኣስረይ ፈታሕካመስዋእቲ ምስጋና ኽስውኣልካስም እግዚኣብሄር ከኣ ክጽውዕ እየ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ፣ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር፣ ኣብ ማእከልኪ፣ ዎ የሩሳሌምመብጽዓይ ክፍጽም እየ። ሃሌሉያ

Translation | Context
ናሆም 1:15 | 2 Helpful votes

እንሆ ኣእጋር እቲ ብስራት ዜበስር፣ ሰላም ከኣ ዜውሪ ኣብ ኣኽራን ኣለዋ። ደጊምሲ እቲ ሕሱም ኣብ ማእከልካ ኣይኪሐልፍን ብጥራስ ከኣ ጸኒቱ እዩ እሞ፣ ዎ ይሁዳባዓላትካ ኣብዕል፣ መብጽዓኻ ፈጽም

Translation | Context
ዘፍጥረት 28:20-22 | 2 Helpful votes

ያእቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዔእግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፡ ኣብዛ ዝኸዳ ዘሎኹ መገደይ ከኣ እንተ ሐለወኒ፡ ዝበልዖ እንጌራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሀበኒ፡ ናብ ቤት ኣቦይውን ብደሓን እንተ ተመለስኩ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይኸውን። እዚ ሓወልቲ ገይረ ኣቝመዮ ዘሎኹ እምኒ ኸኣ ቤት ኣምላኽ ኪኸውን እዩ። ካብ እትህበኒ ዘበለ ዅሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 66:14 | 2 Helpful votes

መስዋእቲ ምሕራር ሒዘ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ እቲ ኸናፍረይ እተዛረቦጸቢቡኒ ኸሎኹ ኣፈይ ዝበሎ መብጽዓታተይ ንኣኻ ኽፍጽሞ እየ።

Translation | Context