Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
እቲ መልኣኽ ናብኣ አትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ።
Translation | Contextብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፥ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ።
Translation | Contextማርያም ከኣ፥ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ።
Translation | Contextመንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረአየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም።
Translation | Contextማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፡ በለቶ።
Translation | Contextኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧
Translation | Contextእቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝአመነት ብርኽቲ እያ።
Translation | Contextብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሀል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሃል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ።
Translation | Contextእቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ሰበይቲ ቓላ ዓው ኣቢላ፥ ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦካየን ኣጥባትን ብጹኣት እየን፡ በለቶ። ንሱ ግና፥ ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም፡ በላ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፥ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚገርብዎን እዮም፡ ኢሉ መለሰሎም።
Translation | Contextማርያም ግና ነዚ ነገርዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሐስቦን ነበረት።
Translation | Contextስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።
Translation | Contextየሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረአየ፡ ነዲኡ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ። ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፥ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ።
Translation | Contextእቲ መልኣኽ ከኣ በላ፡ ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ።
Translation | Contextጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ።
Translation | Context