Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ፣ ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም።
Translation | Contextሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ። ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧ ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧
Translation | Contextድሕርዚ ዓመጽ ኣብ ምድርኺ፡ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ዶብኪ ኣይኪስማዕን እዩ። ግናኸ ንቐጽርታትኪ ምድሓን፡ ንደጌታትኪ ኸኣ ምስጋና ኢልኪ ክትሰምይየን ኢኺ።
Translation | Contextዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ።
Translation | Contextብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፡ መገዱ ዘበለ ዅሉ ኣይትምረጽ።
Translation | Contextንሕናስ ነቲ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ፡ ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኺፈርዶ እዩ፡ ዝበለ፡ ንፈልጦ ኢና።
Translation | Contextእቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።
Translation | Contextነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ።
Translation | Contextእቲ ነፍስኹም ዘለዎ ደምኩምሲ ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊት ክደልዮ እየ። ነፍሲ ሰብ ድማ ካብ ኢድ ሰብ፡ ካብ ኢድ ሓዉ፡ ክደልያ እየ። ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስ፡ ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።
Translation | Contextዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር እምባይ፣ ነእዳወይ ውግእ፣ ነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረ፣ ይባረኽ።
Translation | Contextንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።
Translation | Contextእከይ ኣብ ማሕደሮምን ኣብ ውሽጦምን አሎ እሞ፣ ሞት ብድንገት ይምጽኣዮም፣ ብህይወቶም ከለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ።
Translation | Contextብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።
Translation | Contextኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ።
Translation | Context