Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ፣ ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ። ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑ።
Translation | Contextኲሉ ተፈቒዱለይ አሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ አሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ።
Translation | Contextኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፡ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይሃንጽን እዩ።
Translation | Contextመዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።
Translation | Contextኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ።
Translation | Contextአብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን፣ ንግብሪ ብልያል እጸልኦ አሎኹ፣ ኣይኪጠብቀንን እዩ።
Translation | Contextካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ።
Translation | Contextካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ርሐቑ።
Translation | Contextግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ።
Translation | Contextነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፣ ብመገድኻ ህያው ግበረኒ።
Translation | Contextስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡
Translation | Contextቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ።
Translation | Contextወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧
Translation | Contextኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻ፡ እቲ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ምስቲ ፍረ ወይኒ ሐቢሩ ኸይቅደስ፡ ክልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝራእ
Translation | Contextጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና።
Translation | Contextኣታ ፍቁረይ፡ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፡ ነቲ እኩይሲ ኣይትቃጸጾ። እቲ ሰናይ ዚገብር ካብ ኣምላኽ እዩ፡ እቲ እኩይ ዚገብር ንኣምላኽ ኣይረኣዮን።
Translation | Contextእቲ ብጽድቂ ዚመላለስን ቅንዕና ዚዛረብን፡ ረብሓ ምጭቋን ዚንዕቕ፡ መማለዲ ኸይቅበል ድማ ኢዱ ዚንዝንዝ፡ ብናይ ምኽዓው ደም ከይሰምዕ ከኣ ኣእዛኑ ዚውትፍ፡ እከይ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዚዕምትሲ፡ ንሱ ኣብ በረኻ ኪነብር፡ ኣኻውሕ እምባታት ከኣ ጸግዑ ከኽውን፡ እንጌራኡ ኺረክብ ማዩውን ንሓዋሩ ኣይኪነጽፍን እዩ።
Translation | Contextንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ።
Translation | Context