Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ። እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዚብሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዅሎም ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚአምኑ፡ ብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትብል አሎኻ። ንዚኣምን ኵሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ። ብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ እኣምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፍ፡ በሎ። የሱስ እቶም ሰብ ናብኡ ኺጐዩ ምስ ረአየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስ፡ እእዝዘካ አሎኹ፡ ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን ኣይትእተዎ፡ ኢሉ ገንሖ።
Translation | Contextኣነስ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ አሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀፍን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ አሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።
Translation | Contextዝአመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘያኣመነ ግና ኪዅነን እዩ።
Translation | Contextእቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።
Translation | Contextፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን።
Translation | Contextጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም።
Translation | Contextንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።
Translation | Contextደሓር ከኣ ንቶማስ፡ ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይውን ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ፡ ኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ በሎ። ቶማስ መሊሱ ከኣ፡ ጐይታይን ኣምላኸይን፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚአምኑ ብጹኣን እዮም፡ በሎ።
Translation | Contextንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዋም።
Translation | Contextካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና። ግናኸ እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሀበና፡ ንፈልጥ ኢና፡ ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ። ኣቱም ደቀየ፡ ካብ ጣኦታት ተሐለዉ።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለት። ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚሰኣነኩም ውን የልቦን።
Translation | Contextብኣይ ዘይዕንቀፍ ብጹእ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም።
Translation | Contextምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ አለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ አለዎ፧ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧ ኣምላኽ፤ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ።
Translation | Contextእቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ኸኣ ኰይኑ አሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ።
Translation | Context