Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
እቲ ሳብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኮይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ፡ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ። እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝፋናቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ከኣ፡ ዎ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ ስለ ዝወስድካዮን ስለ ዝነገስካን፡ ነመስግነካ አሎና፡ እናበሉ ብግምባሮም ተደፊኦም ንኣምላኽ ሰገዱ። ኣህዛብ ተቘጢዖም፡ ቍጥዓኻውን መጺኡ፡ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፡ ንባሮትካ፡ ነቶም ነብያትን ቅዱሳትን ስምካ ንዚፈርሁ ናእሽቱን ዓበይትን፡ ዓስቦም እትህበሉ፡ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን መጺኡ፡ በሉ።
Translation | Contextግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ማለት፡ የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስኤን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ። ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም አሎና። ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጻናንዑ።
Translation | Contextብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና።
Translation | Contextገለ ኢድ ኣይተንክዮ፡ እንስሳ እንተ ዀነ ወይ ሰብ፡ ብዳርባ እምኒ ሓደው ብመንትግ ደኣ ይሙት እምበር፡ ብህይወት ኣይንበር። መለኸት ኣንዊሑ ምስ ዚንፋሕ፡ ሽዑ ናብ ከረን ይደይቡ።
Translation | Contextእንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም አሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ። እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ። ዎ ሞት፡ ኣበይ አሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ አሎ ዓወትካ፧
Translation | Contextከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንደቂ ህዝብካ ተዛረቦም በሎምውን፣ ኣነ ሰይፊ ናብ ሃገር እንተ ኣምጻእኩ፣ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ካባታቶም ሓደ ሰብኣይ ሃላዊ ኪዀኖም እንተ ኣመዛዝዎ፣ ንሱ ኸኣ ሰይፊ ናብታ ሃገር ኪመጽእ እንተ ረአየ እሞ፣ መለኸት እንተ ነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ኣተንቀቖም፣ ሓደ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐ፣ ሰይፊ መጺኡ ኸኣ እንተ መንከሎ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። ደሃይ መለኸት ሰሚዑስ ኣይተጠንቀቐን እሞ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። እንተ ዚጥንቀቕሲ፣ ንነፍሱ መድሐና ነይሩ። እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየ፣ መለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቀቖም፣ ሰይፊ መጺኡውን ንሓደ ኻባታቶም እንተ መንከሎ፣ ንሱ ብሰሪ ኣበሳኡ ይውሰድ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ።
Translation | Contextእቲ ሳብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኮይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ፡ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ።
Translation | Contextእቲ ሳድሳይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ነቲ መለኸት ዘለዎ ሳድሳይ መልኣኽ፡ ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም፡ ዚብሎ ድምጺ ሰማዕኩ።
Translation | Contextጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንአዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ።
Translation | Contextሽዑ እቶም ህዝቢ ብኢዶም ስንቆምን መለኸቶምን ወሰዱ፡ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሰደዶም፡ ነቶም ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ግና ኣትረፎም። ሰፈር ሚድያን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ ለሰ ነበረ።
Translation | Contextድሕርዚ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ክፉት ደገ ርኤኹ እቲ ምሳይ ኪዛረብ ከሎ ዝሰማዕክዎ ኸም መለከት ዝዀነ ቐዳማይ ድምጺ ኸኣ፡ ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ነገር ከርእየካስ ነጀው ደይብ፡ በለኒ።
Translation | Contextግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ማለት፡ የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስኤን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ። ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም አሎና። ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።
Translation | Contextእቶም ነደቕቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ ሕቖኡ ተዐጢቑ ይነድቕ ነበረ። እቲ መለኸት ዚነፍሕ ከአ ኣብ ጥቓይ ነበረ።
Translation | Context