Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ብፍሪኣም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዂዶ ወይኒ ይቕንጠብ፡ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምበርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።
Translation | Contextከማኻ ዝበለ ነብዪ ኻብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ፡ ቃለይ ከኣ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ፡ ንሱ ድማ ዝአዘዝክዎ ዅሉ ኺነግሮም እዩ።
Translation | Contextንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ማእከልካ፡ ካብ ኣሕዋትካ፡ ከማይ ዝበለ ነብዪ ኼተንስኣልካ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ።
Translation | Contextእቲ ብድፍረቱ ብስመይ ዘይኣዘዝክዎ ቓል ዚዛረብ ነብዪ፡ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዚዛረብ፡ እቲ ነብዪ እቲ ይሙት፡ ብልብኻ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ከመይ ጌርና ንፈልጦ፡ እንተ በልካ፡ እቲ ነብዪ ብስም እግዚኣብሄር ምስ ተዛረቦ፡ እቲ ነገር እንተ ዘይኰነ፡ እንተ ዘይመጸ፡ እዚ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ምዃኑ ምልክት ይኹንካ። እዚ እቲ ነብዪ ብድፍረት እተዛረቦ እዩ፡ ኣይትፍርሃዮ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን ካብዛ ዓለም እዚእ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንትን፡ ኢሉ መለሰ።
Translation | Contextብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወለደ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ።
Translation | Contextወይስ ንሓደ ንባባ ዘይፈልጥ፡ እንካ እስከ እዚ ኣንብብ፡ ኢሎም እንተ ሀብዎ፡ ንሱው፡ ንባብ ኣይፈልጥን እየ፡ ኢሉ ይመልስ።
Translation | Contextኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ እስማኤል ኣውጽኣሉ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዅሉ ድማ የቕንዕ። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ፡ ከም ዝደለዩ ገበርዎ እምበር፡ ኣየለልይዎን። ንወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ንሳቶም ሓሳረ መከራ ኼጽግብዎ እዮም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቕ ከም ዝበሎም ኣስተውዐሉ።
Translation | Contextናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን።
Translation | Contextወዱ እስማኤል ድማ ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ኰይኑ ነበረ።
Translation | Contextንሱ ኣብ መንጎ ሰብ ከም ኣድጊ በረኻ ኪኸውን እዩ፡ ኢዱ ናብ ልዕሊ ዅሉ፡ ኢድ ኵሉ ድማ ናብ ልዕሊኡ ኽትከውን እያ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ኪነብር እዩ፡ በለ።
Translation | Contextኣይሁድ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ።
Translation | Contextልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያምን ዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት።
Translation | Contextእቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።
Translation | Contextካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘሎ ሹር፡ በታ ንኣሶር እተእቱ፡ ሰፊሮም ነበሩ። ኣብ መንጽር ኵሎም ኣሕዋቱ ሰፈረ።
Translation | Contextመሰውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዩ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ።
Translation | Contextንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ።
Translation | Context