Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸ፡ ኣይትፈርህን፡ ቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ ኣይተንክርን፡ ካብ ምፍራይውን ኣይትቋርጽን።
Translation | Contextንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።
Translation | Contextኦምሲ ተስፋ አለዎ፡ እንተ ተቘርጸ እኳ መሊሱ ይጥጥዕ፡ ውልዶታቱ ኸኣ ኣይውዳእን እዩ።
Translation | Contextንምድሪ ኺዳንያ ይመጽእ አሎ እሞ፡ ሽዑ ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ይበላ።
Translation | Contextከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ።
Translation | Contextእቲ ኣብ ምድቃሰይ ከሎኹ ዝርኤኹዎ ራእይ ርእሰይ ከምዚ እዩ፣ እንሆ፣ ኦም ኣብ ማእከል ምድሪ ርኤኹ፣ ቍመታ ኸኣ ነዋሕ እያ። እታ ኦም ዐብያን በርቲዓን፣ ቍመታ ኽሳዕ ሰማይ በጺሑ፣ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ትርኤ ነበረት። ቈጽላ ጽቡቕ ነበረ፣ እቲ ፍሬኣ ብዙሕ፣ ንዅሉ ኸኣ ምግቢ ነበራ። እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ኣጽሊለን፣ ኣዐዋፍ ሰማይ ኣብ ጨናፍራ ሰፉረን ነበራ፣ ስጋ ዝለበሰ ዅሉውን ካብኣ ይምገብ ነበረ።
Translation | Contextኣብታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብታ ኸተማውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዚሐጸቡ ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ፡ እተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ዜብህግ፡ ምብላዑ ዝጥዑም ኵሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ፡ ኣብ ማእከል ገነት ከኣ ኦም ህይወት፡ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ድማ።
Translation | Contextኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሃኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም፡ ከምቲ እተመሃርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ።
Translation | Contextነቲ ስፍራ መቕደሰይ ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ክብሪ ሊባኖስ፡ ጽሕድን ሙዝን ዝበን፡ ሐቢሮም ኪመጹኺ እዮም። ኣነውን ንስፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ።
Translation | Contextብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት አላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ አሎ።
Translation | Contextንኣዳም ከኣ፡ ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካ እሞ ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕካ፡ ምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ።
Translation | Contextኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰ። እንሆ ድማ፡ መልኣኽ ነቒኒቑ፡ ተንስእ እሞ ብላዕ፡ በሎ።
Translation | Contextኣነ ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ እየ፣ ኣብ ጸጋ ኣምላኽውን ንዘለአለም ኣለም እውከል።
Translation | Contextእቲ ቀዳማዩ ቅዱስ እንተዀነ፡ እቲ ብሑቝ ከኣ ቅዱስ እዩ። እቲ ሱር ቕዱስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ጨነፍሩውን ቅዱስ እዩ። ካብቶም ጨነፍር ሓያሎ እንተተሰብሩ እሞ ንስኻ፡ ኣውልዕ በረኻ ክነስኻ፡ ኣብ መንጎኦም እንተ ተተኸልካ፡ ካብቲ ሱርን ማራ ኣውልዕን ድማ ተማቓሊ እንተዀንካ፡ ኣብቶም ጨነፍር ኣይትከበር። እንተተኸበርካ ግና፡ እቲ ሱር እዩ ንዓኻ ጾይሩካ ዘሎ እምበር፡ ነቲ ሱር ንስኻ ኣይኮንካን ጾይርካዮ ዘሎኻ። ምናልባሽ ንስካ፡ ኣና ምእንቲ ኽትከል እዮም እቶም ጨነፍር እተሰብሩ፡ ትብል ትኸውን። ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ አሎኻ። ፍራህ ደኣ እምበር ብልብኻ ኣይትተዓበ። ኣምላኽ ነቶም ካብ ባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ኻብ ዘይነሐፎም፡ ንዓኻውን ኣይኪንሕፈካን እዩ። እምብኣርሲ ናይ ኣምላኽ ለውሃትን ጭከናን ተመልከት፡ ኣብቶም ዝወደቑ ጭከናኡ፡ ንኣኻ ግና፡ ኣብቲ ለውሃቱ እንተጸናዕካ፡ ለውሃት ኣምላኽ። እንተ ዘይኰነስ ንስኻውን ክትቁረጽ ኢኻ። ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተዘይጸንዑ ግና፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ፡ ኺትከሉ እዮም። ንስኻ ካብታ ብባህርያ ኣውልዕ በረኻ ተቖሪጽካ ብዘይመገዲ ባህርይ ኣብታ ጽብቕቲ ኣውልዕ ካብ ተተኸልካስ፡ እቶም ብባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ግዳ ከመይ ኣብታ ኦም ኣውልዖም ኣጸቢቖም ዘይትከሉ። ኣሕዋተየ፡ ብርእስኹም ብልህታት ዝዀንኩም ምእንቲ ከይመስለኩምሲ፡ ምልኣት ኣህዛብ ክሳዕ ዚኣቱ፡ ንሓያሎ ካብ እስራኤል ትሪ ልቢ ከምዝበጽሖም፡ እዚ ምስጢር እዚ ዘይትፈልጡ ክትኮኑ፡ ኣይፈቱን እየ። ከምቲ ጽሑፍ፡ ተበጃዊ ካብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ ረሲእነት ኬርሕቕ እዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ፡ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ ኪኸውን እዩ፡ ዚብሎ፡ ብዘሎ እስራኤል ኪድሕን እዩ።
Translation | Contextብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና ኣምላኽ፥ ከይትሞቱስ፡ ካብኣ ኣይትብልዑ ኣይትተንክይዋውን፡ በለ። እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ ኣይፋልኩም፡ ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ፡ ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር፡ ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም፡ በላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ኦም ምብላዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ፡ ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት፡ ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሀበቶ፡ ንሱውን በልዔ።
Translation | Context