Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ።
Translation | Contextመዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።
Translation | Contextመዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ፡ ኪድ፡ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዐበኒ፡ በሎ።
Translation | Contextድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስል። ብታሕጓስ ከይዱስ፡ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ።
Translation | Contextከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ፡ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ፡ ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ፡ ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ።
Translation | Contextኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ።
Translation | Contextነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።
Translation | Contextኣነ ብስምካ ዝጸዋዕኩኻ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ መዝገብ ጸልማትን ኣብ ስውር እተሐብኤ ሃብትን ክህበካ እየ።
Translation | Contextብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ አሎ።
Translation | Contextግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና።
Translation | Contextኣብ ዘመናትካ ህድኣትን ብዝሒ ምድሓንን ጥበብን ፍልጠትን ኪኸውን እዩ፡ ምፍራህ እግዚኣብሄር ከኣ መዝገቡ እዩ።
Translation | Contextንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፣ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።
Translation | Contextደገኛ ሰበይትስ መን ይረክባ፡ ዋጋኣ ኻብ ብኩር ዕንቍ ኣዝዮ ይከብር። ልቢ ሰብኣያ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን። ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፉእ ኣይትገብሮን። ጸጕርን ልሕጺ እንታጢዕን ትደሊ፡ ተሐጕሳ ኸኣ ብኢዳ ትዐዪ። ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ። ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦም፡ ነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን።
Translation | Contextወደየ፡ ንቓላተይ ሐልዎ፡ ንትእዛዛተይውን ኣባኻ ዕቘሮ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ እቲ ኣብተን ማሕበራት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ነፍልጠኩም አሎና፡ ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሀቡ፡ እምስክረሎም አሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓላፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶምን ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዐዘዘ። ነዚ ጸጋ እዝን ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣና ርእሶም ወፈዩ እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበናዮ ጥራይ ኣይኰነን እሞ፡ ንቲቶስ፡ ከምቲ ቕድም ዝጀመሮ ኸምኡ ኸኣ እዚ ጸጋ እዚ ኣባካትኩምውን ኪፍጽም፡ ምዒድናዮ አሎና። ግናኸ ብዅሉ፡ ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን ብፍቕርኹም ንኣናውን ከም ዝዓዘዝኩም፡ በዚ ጸጋ እዚ ኸኣ ዕዙዛት ንምዃን ተጠንቀቑ። እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ ኸኣ ብጸዓት እቶም ካልኦት ነቲ ምጽራይ ፍቕርኹም ምእንቲ ኽዕዘብ እየ እምበር፡ ከም ትእዛዝ ገይረ ኣይኰንኩን። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስካትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ። እዚ ይጠቕመኩም እዩ እሞ፡ በዚ ድማ ምኽሪ እህበኩም አሎኹ፡ ንስካትኩም ንፍቓድ ድማ እምበር፡ ንምግባር ጥራይ ኣይኰንኩምን ካብ ዓሚ ሒዝኩም ቅድም ዝጀመርኩም። ሕጂ ኸኣ ከምቲ ንፍቓድ ተዳሊኹም ዝነበርኩምዎ፡ ከምኡ ጌርኩም ከም ዓቕምኹም ንምፍጻምውን ብግብሪ ፈጽሙ። ፍቓድ ልቢ እንተ አልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር፡ ብዜብሉ ኣይኰነን። ምእንቲ ማዕረ ኪኸውን ማለተይ እየ እምበር፡ ንኻልኦትን ራህዋ፡ ንኣኻትኩምን ጸበባ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ ኣይኰንኩን። ከመዮ፤ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፡ ሒደት ዝኣከበውን ኣየጕደለን፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ሕጂ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ኪምልእ፡ እቲ ተረፎም ከኣ ነቲ ጐደሎኹም ኪምልእ፡ እሞ ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። ግናኸ ቲቶስ ምዕዶና ሰሚዑ፡ በዓል ጸዓት ኰይኑ እዩ ብገዛእ ፍቓዱ ናባካትኩም ዝኸደ እሞ፡ ስለዚ ነቲ ምእንታኹም ኢሉ፡ ኣብ ልቢ ቲቶስ እዛ ጸዓት እዚኣ ዘሕደረ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ምስኡውን ነቲ ኣብ ኵላተን ማሕበራት ብወንጌል እተናእደ ሓዉ ሰዲድና አሎና። እግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸብርን፡ ፍቓድ ልብና ምእንቲ ኺርኤን በቲ ንሕና እነገልግሎ ዘሎና ጸጋ ንሱ ምሳና ኺዘውር ኢለን፡ እተን ማሕበራት ሐረያኦ እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ቅድሚ ሰብ ከኣ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሰናይ ዘበለ ኢና እንሐሊ ዘሎና እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ብኣገልግሎትና እተዋጽኤ ብርኩት ገንዘብ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቐሉ አሎና። ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ ነገርን ጸዓት ከም ዘለዎ ዝመርመርናዮ፡ ሕጂውን ኣባኻትኩም ብዙሕ እምነት ስለ ዘለዎ፡ እቲ በዓል ዓብዪ ጸዓት ሓውና ምሳታቶም ሰዲድናዮ አሎና። ብዛዕባ ቲቶስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ንኣይ ብጻየይ ኣባካትኩምውን መዓይይተይ እዩ፡ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀኑውን፡ ልኡኻት ማሕበርን ክብሪ ክርስቶስን እዮም። እምብኣርሲ ምግሃድ ፍቕርኹምን ትምክሕትና ብኣኻትኩምን ኣብ ቅድሚ እተን ማሕበራት ንኣታቶም ኣርእይዎም።
Translation | Context