Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።
Translation | Contextንሕና ዅላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮ፡ ከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ።
Translation | Contextእዚ በቲ ዓስቢ ዓመጻኡ ግራት ኣጥረየ፡ ብኣፍ ርሕሙ ተደፊኡ ኸኣ ኣብ ክልተ ተጨደ፡ ብዘሎ ኣምዑቱ ድማ ወጸ እሞ፡
Translation | Contextግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና። ብእኡ ኸኣ ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ አሎና። ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ። ገና ድኹማት ከሎና፡ ክርስቶስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዚርከብ ኣይመስልን፡ እንድዒ ኣብ ክንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኺመውት ዚደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን፡ ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ። እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብቲ ቚጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕን። ጸላእቱ ኸሎና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና፡ ካብ ተዓረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን። ግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብና፡ ብኣምላኽውን ንምካሕ አሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ። ሕጊ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና ኣብኡ ሓጢኣት ኣይቊጸርን እዩ። ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነ፡ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዚመጽእ እዩ። ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲ ኣበሳ ኣይኰነን። ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ። እቲ ውህበት ከኣ ብመጠን እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሐደ ሰብኣይ ኣይኰነን። ፍርዲ ኻብ ሓደ ንዂነኔ መጸ፡ እቲ ውህበት ጸጋ ግና ካብ ብዙሕ ኣበሳ ንምጽዳቕ መጸ። ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም። እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኲሉ ሰብ መጸ። ኣበሳ ምእንቲ ኺዐዝዝሲ፡ ሕጊ ኣተወ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ ግና፡ ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ። ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝኤ፡ ጸጋውን ከምኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእ እዩ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextዎ ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ። ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፣ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ። ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ፣ ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና። እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉ፡ ከምታ ንሱ ንጹህ ዝዀነ፡ ንርእሱ የንጽህ አሎ።
Translation | Contextእቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።
Translation | Contextእቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ። እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። ህይወት ብመንፈስ እንተ አልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ። ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ።
Translation | Contextእቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጽሞ፡ እዚ ተረዲኤዮ አሎኹ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
Translation | Context