Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all4 bible verses about
ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።
Translation | Contextያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም አሎ። ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ። ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። እቲ ለጠቕ ዝበለ ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይመካሕ። እቲ ሃብታምውን፡ ከም ዕምባባ ሳዕሪ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ብውርደቱ ይመካሕ። ጸሓይ ምስ ዋዒኣ ትወጽእ እሞ፡ ነቲ ሳዕሪ ተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍ፡ ደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፡ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብመገዱ ኺሐርር እዩ። ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ። ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል። ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ኣይትስሐቱ። ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ። በዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና። ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን። ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ። ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ። ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።
Translation | Contextግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።
Translation | Contextእቲ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብዝሒ ምሕረት ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፡ ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም አሎኹም። እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም። ነዚ ኸይርኤኩምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም።
Translation | Context