Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

tombstones


2ይ ነገስት 23:17 | 11 Helpful votes

ንሱ ድማ፡ እዚ ዝርእዮ ዘሎኹ ሓወልቲኸ እንታይ እዩበለእቶም ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ እሞ ብዛዕባ እዚ ዝገበርካዮ ነገር እዚ ንመሰውኢ ቤት-ኤል እተዛረቦ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እዚ መቓብሩ እዩ፡ በልዎ

Translation | Context
እያሱ 4:1-7 | 6 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ፈጺሙ ምስ ተሳገረእግዚኣብሄር ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ካብ ህዝቢ ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ንኣኻትኩም ውሰዱ፡ ካብዚ ኻብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቘማላ ቦታ፡ ንኣኻትኩም ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣልዒልኩም ምሳኻትኩም ናብ ማዕዶ ተማልእዎ። ኣብቲ በዛ ለይቲ እዚኣ እትሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎኢልኩም ከኣ ኣዝዝዎም። ሽዑ እያሱ ነቶም ካብ ደቂ እስራኤልከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይዓሰተው ክልተ ሰብኣይ ኣዳልዩዎም ዝነበረ ጸውዖምእያሱ ድማ በሎምቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ማእከል ዮርዳኖስ ሕለፉነፍሲ ወከፍኩም ከኣ፡ ብቚጽሪ ነገድ ደቂ እስራኤልሓሓንቲ እምኒ ኣብ መመንኩብኩምን ኣልዕሉ። እዚ ኣብ ማእከልኩም ንምልክት ኪኸውን እዩ፡ ደቕኹም ብዚመጽእ ጊዜ፡ እዚ ኣእማን እዚ ንምንታይ እዩ፧ ኢሎም ምስ ዚጥይቑኹም፡ ሽዑ ንስኻትኩም፡ ማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዘቋረጸ፡ ብዮርዳኖስ ክሳገር ከሎ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ኣቋረጸ፡ እሞ እዚ ኣእማን እዚ ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም ንመዘከርታ እዩ፡ ትብልዎም

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:29 | 5 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት ርእሲ ኣቦታት፡ ንሱ ኸም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡ ንኣኻትኩም ብግሁድ ኪንገር ግቡእ እዩ። መቓብሩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና አሎ።

Translation | Context
እያሱ 1:1-18 | 3 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሞት ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ንእያሱ ወዲ ነዌ ኣገልጋሊ ሙሴ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦሙሴ ባርያይ ሞተሕጂ ድማ ተንስእ፡ ንስኻን ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዝን ናብታ ኣነ ንኣታቶም፡ ንደቂ እስራኤልዝህቦም ምድሪ ነዚ ዮርዳኖስ ተሳገሮ። ከምቲ ንሙሴ እተዛረብክዎከብዲ እግርኹም ዝረገጸታ ዘበለት ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም አሎኹ። ዶብኩም ካብ በረኻን ካብዚ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ብዘላ ምድሪ ሔታውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ጸሓይ ዘሎ ዓብዪ ባሕርን ኪኸውን እዩ። ምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሐድገካን ኣይጥንጥነካንውን። እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሐልኩሎም ምድሪ፡ ንስኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸተረስትዮም ኢኻ እሞ፡ ጽናዕትባዕ። ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝኣዘዘካ ዅሉ ሕጊ ንምግባሩ ኽትሕልዎ ጥራይ ደኣ፡ ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። ናብ እትኸዶ ዅሉ ምእንቲ ኪቐንዓካስካብኡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣይተግልስ። ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስመዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይተፍለሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩጽናዕትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ። ሽዑ እያሱ ነቶም መኳንንቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞምብማእከል ሰፈር ሕለፉ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ምእንቲ ክትወርስዋ ንርስቲ ዚህበኩም ምድሪ ኽትአትውዋስድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኽትሳገሩ ኢኹም እሞ፡ ስንቅኹም ኣዳልዉኢልኩም ኣዝዙእያሱ ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዘኩም ቃል ዘክሩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕርፈኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ኪህበኩም እዩ። ኣንስትኹምን ሕጻናትኩምን ከብትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሀበኩም ምድሪ ይንበሩ። ንስኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንኣኻትኩም፡ ነሕዋትኩም ድማ ክሳዕ ዘዕርፎም፡ ንሳቶም ከኣ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚወርሱሓያላት ጀጋኑ ዘበልኩም ኵላትኩም ኣጽዋር ሒዝኩም፡ ነሕዋትኩም ክትድግፉ ቐቅድሚኦም ሕለፉ። ድሕርቲ ናብታ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ዝሀበኩም ምድሪ ርስትኹምክትወርስዋ ኽትምለሱ ኢኹም። ንእያሱ ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱሉዝአዘዝካና ዅሉ ንገብርናብ ዝለአኽካና ዘበለውን ንኸይድ። ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ እተኣዘዝናዮ፡ ንኣኻ ኸኣ ክንእዘዘካ ኢና። ሓንትስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፡ ምሳኻ ድማ ይኹንዝዀነ ሰብ ንቓልካ ዚአብን ንዅሉ እትእዝዘና ዘረባኻ ዘይሰምዕን ይሙትሓንትስ ጽናዕትባዕ ደኣ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 4:16 | 3 Helpful votes

ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:22 | 3 Helpful votes

እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 2 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 5:28-29 | 2 Helpful votes

ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበረ ናብ ትንሳኤ ህይወትእኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።

Translation | Context
መዝሙር 90:12 | 2 Helpful votes

ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና

Translation | Context
ራእይ 20:1-15 | 2 Helpful votes

መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመንሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን፡ ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ኺፍታሕ ይግባእ እዩ። ዝፋናት ድማ ርኤኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱማሕተሙውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርኤኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ። እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ህይወት ኣይረኸቡን። እዚ እቲ ቐዳማይ ትንስኤ እዩ። ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን። እተን ሽሕ ዓመት ምስ ተፈጸማ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ፡ እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብንጎግን ማጎግን ኬስሕቶምንውግእውን ምእንቲ ኺእክቦምኪወጽእ እዩ፡ ቍጽሮም ድማ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍሒ ምድሪ ኸኣ ወጹንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኽተማን ድማ ከበቡካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ በልዖም። እቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም። ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙቦታውን ኣይተረኽበሎምንምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹመጻሕፍቲውን ተገንጸሉካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔከከም ግብሮም ተፈርዱባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየትሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ

Translation | Context
ኢሳይያስ 66:1-24 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብልሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ እቲ ኣነ ዝዐርፈሉ ስፍራኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ ኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ኸኣ ኰይኑ አሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ። እቲ ብዕራይ ዚሐርድ፡ ከምቲ ንሰብ ዚቐትል እዩ፡ እቲ ገንሸል ዚስውእ ከምቲ ንኽሳድ ከልቢ ዚሰብር እዩ፡ እቲ ንመስዋእቲ ብልዒ ዜቕርብ ከምቲ ደም ሓሰማ ዚስውእ እዩ፡ እቲ ዕጣን ዚዐጥን ከምቲ ንጣኦት ዜመስግን እዩ። እወ፡ መገድታት ርእሶም ሐረዩነፍሶም ድማ ብጽያፎም ባህ በላ። ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እኩይ ገበሩባህ ዘየብለኒውን ሐረዩ እምበር፡ ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይንተዛረበ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሐሪዜሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ። ኣቱም ብቓሉ እትርዕዱቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እቶም ዚጸልኡኹምን ብዛዕባ ስመይ ዚሰጉኹምን ኣሕዋትኩምሓጐስኩም ምእንቲ ኽንርእስ፡ እግዚኣብሄር ይኽበርይብሉ፡ ግናኸ ኪሐፍሩ እዮም። ድምጺ ታዕታዕ ካብ ከተማ፡ ድምጺ ኻብ ቤት መቕደስ ይስማዕ አሎ፡ ድምጺ እቲ ንጸላእቱ ፍዳ ዚፈዲ እግዚኣብሄር እዩ። ቅልውላው ከይሐዛ ወለደት፡ ከይተጻዕረት ከኣ ወዲ ወለደት። ከምዚ ዘመሰለ መን ሰምዔ፧ ከምዚ ዝበለኸ መን ረአየሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ጽዒራ ትወልድ እያ፧ ህዝቢዶኸ ብሓንቲ ጊዜ ይውለድ እዩ፧ ጽዮን ግና ቅልውላው ምስ ሓዛ፡ ብኡብኡ ደቃ ወለደት። ኣነ ንምውላድ ዘብጻሕኩስ፡ ሓይሊ ምውላድዶ ኣይህብን እየ፧ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፡ ንማሕጸንዶ እዐጹ እየ፧ ይብል ኣምላኽኪክትጠብውን ኣብ ኣጥባት ምጽንንዓ ኽትጸግቡንክትምጥምጡን ብብዝሒ ኽብረት ኺፍሽሕወኩምንሲ፡ ምስ የሩሳሌም ተሐጐሱ፡ ኣቱም እተፍቅርዋ ዂላትኩም ከኣ ብእኣ ደስ ይበልኩም። ኣቱም ዝሐዘንኩምላ ዂላትኩም፡ ተሐጒስኩም ምስኣ እልል በሉ። እግዚኣብሄርሲ ኸምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ሰላም ከም ፈሳሲ ርባክብረት ኣህዛብ ከኣ ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኬውሕዘላ እዩ፡ ንስኻትኩም ድማ ክትጠብው፡ ክትሕቈፉ ኢኹም፡ ኣብ ኣብራኾም ኬሳራስሩኹም እዮም። ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኸጸናንዓኩም እየ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኽትጸናንዑ ኢኹም። ልብኹም ከኣ እዚ ርእዩ ኺሕጐስ እዩ፡ ኣዕጽምትኹም ድማ ከም ዚጥጥዕ ሳዕሪ ሓይሊ ኺውስኽ እዩ። ኢድ እግዚኣብሄር ንባሮቱ ኽትፍለጥ እያ፡ ንጸላእቱውን ኪቚጥዖም እዩ። ኲራኡ ብነድሪመግናሕቱ ኸኣ ብሃልሃልታ ሓዊ ኺፈዲእንሆ፡ እግዚኣብሄር ብሓዊ ኺመጽእ እዩ፡ ሰረገላታቱውን ከም ህቦብላ ኪዀና እየን። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ስጋ ዝለበሰ ብሓውን ሰይፍን ኪፈርዶ እዩ እሞ፡ እቶም እግዚኣብሄር ዚቐትሎም ብዙሓት እዮም። እቶም ደድሕሪ እቲ ኣብ ማእከል ዘሎ ናብ ኣታኽልቲ ኪኸዱ ንነፍሶም ዚቕድሱን ዜጽርዩንስጋ ሓሰማን ፍንፋንን ኣናጹን ዚበልዑ ዂሎም ብሓደ ኺጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ግብሮምን ሓሳቦምን እፈልጥ እየ፡ ኲሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ዝእክበሉ ዘመን ይመጽእ አሎ፡ ንሳቶም ከኣ ኪመጹን ክብረተይ ኪርእዩን እዮም። ኣባታቶም ከኣ ትእምርቲ ኽገብር እየ፡ ነቶም ካባታቶም ዘምለጡ ናብ ኣህዛብ፡ ናብቶም መንትግ ዚውርውሩ ሰብ ተርሲስን ፋልን ሉድን ናብ ቱባልን ያዋንን፡ ናብተን ወረይ ዘይሰምዓክብረይ ከኣ ዘይረኣያ ርሑቓት ደሴታትን ክልእኽ እየ፡ ንሳቶም ድማ ክብረይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኪነግሩ እዮም። ከምቲ ደቂ እስራኤል ንመባኦምብጽሩይ ኣቕሓ ገይሮም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዜምጽእዎ፡ ንዂሎም ኣሕዋትኩም ድማ፡ መባእ እግዚኣብሄር ገይሮም፡ በፍራስን ብሰረገላታትን ብቓሬዛታትን በባቕልን ብፈጠናት ኣግማልን ካብ ኲሎም ኣህዛብ ናብቲ ቅዱስ ከረነይ ናብ የሩሳሌም ኬምጽእዎም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄርካህናትን ሌዋውያንን ዚዀነ ኸኣ ካባታቶም ክወስድ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኣብ ቅድመይ ዚነብር፡ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኪነብር እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ሰርቂ ወርሒ ኽሳዕ ሰርቂ ወርሒ፡ ካብ ሰንበት ከኣ ክሳዕ ሰንበት፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድመይ ኪሰግድ ኪመጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ወጺኦም ከኣ ንሬሳታት እቶም ካባይ ዝዐለው ኺርእዩ እዮም፡ ሓሰኻኦም ኣይኪመውትንሓዎም ድማ ኣይኪጠፍእን እዩ እሞ፡ ንዂሉ ስጋውን መፈንፈኒ ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
ራእይ 3:21 | 2 Helpful votes

ከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ።

Translation | Context