Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ሰሪቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ፧ ከኣ ትብሉ። ብዕሽርን ብመባእን ኢኹም። ንስኻትኩም፣ ህዝቢ ብምሏትኩም ሰሪቕኩምኒ ኢኹም እሞ፣ ብመርገም ተረገምኩም።
Translation | Contextኣብ ቤተት ምግቢ ኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፣ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፣ በዚ ተዐዘቡኒ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Contextኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡
Translation | Contextእዚ ሓወልቲ ገይረ ኣቝመዮ ዘሎኹ እምኒ ኸኣ ቤት ኣምላኽ ኪኸውን እዩ። ካብ እትህበኒ ዘበለ ዅሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ።
Translation | Contextሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ሰሪቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ፧ ከኣ ትብሉ። ብዕሽርን ብመባእን ኢኹም።
Translation | Contextእቲ ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሀበካ ልዑል ኣምላኽ ከኣ ብሩኽ ይኹን፡ ኢሉ ባረኾ። ኣብራም ድማ ካብ ኵሉ ዕሽር ሀቦ።
Translation | Contextሌዋውያን ዕሽር ኪወስዱ ኸለው ድማ፡ ብሓደ ኻህን ወዲ ኣሮን፡ ምስቶም ሌዋውያን ይኹን። እቶም ሌዋውያን ድማ ናይቲ ዕሽር ዓስራዩ የልዕሉ እሞ ናብ ቤት ኣምላኽና፡ ናብቲ ኽፍልታት ቤት መዛግብቲ የእትው።
Translation | Contextናብ ቤት-ኤል ንዑ እሞ ኣብሱ፣ ናብ ጊልጋልውን ኣበሳ ኣብዝሑ። ንግሆ መስዋእትኹም፣ ኣብ ሰሳልስቲ ኸኣ ዕሽርኩም ኣቕርቡ።
Translation | Contextብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ።
Translation | Contextፈቲኻ ሀቦ፡ ንእኡ ብምሃብካውን ልብኻ ኣይጕሄ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ዅሉን ኪባርኸካ እዩ።
Translation | Contextኲሉ ዕሽር ምድሪ ድማ፡ ካብ ዘርኢ ምድሪ ዀነ፡ ካብ ፍረ ኦም ኰነ፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ እዩ።
Translation | Contextንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።
Translation | Contextእቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ።
Translation | Contextኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡ፡ ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ኸይሐደግኩምሲ እዚውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ።
Translation | Contextሽዑ ኸኣ ኵሉ ይሁዳ ኻብ እኽልን ወይንን ዘይትን ዕሽር ናብቲ መዝገብ የምጽእ ነበረ።
Translation | Contextኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ።
Translation | Contextካብ ደቂ ሌዊ ድማ እቶም ክህነት ዚቕበሉ፡ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብ ሕቘ ኣብርሃም እኳ ዝወጹ ኣሕዋቶም ክነሶምሲ፡ ዕሽር ኪወስዱ ብሕጊ ትእዛዝ አለዎም። እዚ ግና ካብ ዘይወለዶኦም ክነሱስ፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሰደ፡ ነቲ ተስፋ ረኺቡ ዘሎውን መረቖ። ብዘይ ገለ ውልውል ድማ እቲ ዚንእስ በቲ ዚዓብዮ ይምረቕ እዩ። ኣብዝስ መወትቲ ሰብ ዕሽር ይወስዱ፡ ኣብቲ ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚወስድ። እዚ ምባለይ ከኣ ከምዚ እዩ፡ ሌዊ፡ እቲ ተቐባል ዕሽር እኳ፡ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሃበ፡
Translation | Contextነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም።
Translation | Contextኣብ መወዳእታ ሰሳልሰይቲ ዓመት ካብ ኵሉ ናይ እታ ዓመት እቲኣ እቶትካ ዕሽር ኣውጺእካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኣክቦ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ እትገብሮ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ እቲ ምሳኻ ግደን ርስትን ዜብሉ ሌዋውን እቶም ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘለዉ ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ይምጽኡ እሞ ይብልዑን ይጽገቡን።
Translation | Context