Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextእቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡
Translation | Contextቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን። ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ። ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextስለዚ ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግና፡ ብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ ብእምነት ብኣምላኽ፡ ብትምህርቲ ጥምቀት፡ ብምንባር ኣእዳው፡ ብትንሳኤ ምዉታት፡ ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ። ኣምላኽ እንተ ፈቐዶስ፡ ነዚ ድማ ክንገብሮ ኢና። ነቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሃሎም እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ፡ እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ፡ እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ ብግሁዶውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኺሕደሱ ኣይከአሎምን እዩ። እታ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናብ ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ብዛዕባኦም ዚሐርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረኽብ እያ። እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ ንቅፍትን ጥቓ መርገምን እያ፡ መወዳእታኣውን ምንዳድ እዩ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን እሞ፡ ብኣኻትኩምሲ፡ ከምዚ እኳ እንተ ተዛረብና፡ ዚሐይሽን ንምድሓን ብዚኸውንን ንእመን አሎና። ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ድንዙዛት ከይትዀኑስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ፡ ንደሊ አሎና። ኣምላኽ ንኣብርሃም ተስፋ ኺህቦ ኸሎ፡ ዚምሕለሉ ኻብኡ ዚዓቢ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብሓቂ እናባረኽኩ ኽባርኸካ፡ እናብዛሕኩ ኸብዝሓካን እየ፡ ኢሉ ብርእሱ መሐለ። ከምኡ ኸኣ ብትዕግስቲ ተጸበየ ነታ ተስፋ ረኸባ። ሰባት በቲ ኻብኦም ዚዓቢ እዮም ዚምሕሉ እሞ፡ እቲ ማሕላ ኸኣ መጽንዒ ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ምጕቶም ይውድአሎም እዩ። ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ኣዝዮ ኼርእዮም ምስ ደለየ፡ ብማሕላ ኣብ መንጎ አተወ፡ በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከኣል ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና፡ ንሕና ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሃዲምና ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። ንሳ ድማ ከም መልህቅ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን እያ እሞ፡ ናብቲ የሱስ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ አላትና።
Translation | Context