Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all7 bible verses about
እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ፣ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፣ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ።
Translation | Contextኣቱም ሓውን በረድን ኣስሓይታን ግመን ቃሉ እተስልጥ ህቦብላን፡
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባ፡ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንዅራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሓይልን እዩ፣ ነቲ በዳሊ ከቶ ኸም ንጹህ ኣይቈጽሮን፣ እግዚኣብሄር ብሸምበባን ብህቦብላን እዩ መገዱ፣ ደበና ኸኣ ተጐጓ ኣኣጋሩ እዩ።
Translation | Contextሽዑ ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ለመኖ፡ እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነጒድን ዝናምን ሰደደ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ንእግዚኣብሄርን ንሳሙኤልን ኣዝዮም ፈርሁ።
Translation | Contextኣነውን ንዓጺድ ገና ሰለስተ ወርሒ ተሪፍዋ ኸሎ፣ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፣ ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብታ ሓንቲ ኽፍሊ ዘነመ፣ እታ ዘይዘነማ ኽፍሊ ሀጐጐት።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።
Translation | Context