Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

24 bible verses about

the jezebel spirit


ራእይ 2:20 | 15 Helpful votes

ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየእናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 9:22 | 7 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ዮራም ንየሁ ምስ ረአዮየሁደሓን ዲኻበለ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣዴኻ ኢዛቤል ምንዝርናን እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎእንታይ ደሓኑ እዩ፧ በለ

Translation | Context
1ይ ነገስት 16:31 | 6 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ እቲ ብሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ምኻዱ ቐሊልዎስ፡ ንኢዛቤልጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶንሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳከይዱ ድማ ንበዓል ኣገልገሎሰገደሉውን

Translation | Context
1ይ ነገስት 21:7-8 | 5 Helpful votes

ሰበይቱ ኢዛቤል ከኣ፡ ሕጂስ ንስኻ ደይኰንካን ኣብ እስራኤል እትገዝእ ዘሎኻ፡ ተንስእእንጌራ ብላዕልብኻውን ይተሐጐስኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ኣነ ኽህበካ እየ፡ በለቶብስም ኣከአብ ደብዳቤታት ጽሒፉብማሕተሙ ድማ ሐቲማ፡ ነተን ደብዳቤታት ናብቶም ኣብ ከተማ ናቦት ምስኡ ዚነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ሰደደተን

Translation | Context
1ይ ነገስት 19:1-21 | 5 Helpful votes

ኣከኣብ ድማ እቲ ኤልያስ ዝገበሮ ዂሉን ንዂሎም ነብያት ከኣ ብሴፍ ከም ዝቐተሎምን ንኢዛቤል ነገራሽዑ ኢዛቤል ልኡኽ ሰዲዳንኤልያስጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኸም ነፍሲ ሓደ ኻባታቶም እንተ ዘይገይረያስኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒበለቶንሱ ኸኣ እዚ ምስ ረአየነፍሱ ምእንቲ ኼድሕን ተንሲኡ ኸደናብ ብኤር-ሸባዕ ናይ ይሁዳ መጸ፡ ነቲ ጊልያኡ ኸኣ ኣብኣ ሐደጎንሱ ግና ኣብ በረኻ መገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፡ ናብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው መጺኡ ኾፍ በለሞት ተመንዩ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄርኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ሕጂ ይአኽለኒንነፍሰይ ውሰዳበለ፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰእንሆ ድማ፡ መልኣኽ ነቒኒቑተንስእ እሞ ብላዕበሎእንተ ጠመተ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ርሱን እምኒ እትሰንከተ ቕጫን ሳር ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ መሊሱ ኻልኣይ ሳዕ ነቕኒቑነዊሕ መገዲ አሎካ እሞ፡ ተንሲእካስ ብላዕበሎንሱ ድማ ተንሲኡ በልዔን ሰተየን እሞ፡ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ ኽሳዕ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ኣምላኽኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ። ኣብኡ ኸኣ ናብ በዓቲ ኣተወ፡ ኣብኡውን ሐደረእንሆ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጺኡ፡ ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶምንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ አሎኹኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ። ንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ አለዉ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ወጺእካ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በል፡ በለእንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሐለፈቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐኣኻውሕ ድማ ሰባበረእግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረንድሕሪ እቲ ንፋስ ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ኣይነበረንድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓዊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፡ ድሕሪ እቲ ሓዊ ኸኣ ህዱእ ቅሩብ ደሃይ መጸ። ኰነ ድማ፡ ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዔገጹ ብባርኖሱ ኸደነወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፡ ድምጺ ናብኡ መጺኡኣታ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻበሎ። ንሱ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎምንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶምንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒኤ አሎኹኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹንነፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ አለዉ፡ በለእግዚኣብሄር ከኣኪድብበረኻ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስኣብኣ ምስ መጻእካ ድማንሃዛኤል ኣብ ሶርያ ኺነግስ ቅብኣዮንየሁ ወዲ ኒምሺ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኪነግስ ቅብኣዮንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ብዓል ኣቤል-ሜሆላ ድማ ኣብ ክንዳኻ ነብዪ ኪኸውን ቅብኣዮ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ ሃዛኤል ዝመለቘ፡ የሁ ኪቐትሎ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ የሁ ዝመለቘ ድማኤልሳእ ኪቐትሎ እዩ። ኣነ ግና ንበዓል ዘይተንበርከኻሉ ዂለን ኣብራኽን ዘይሰዐሞ ዂሉ ኣፍን ኣብ እስራኤል ሾብዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ከትርፍ እየ፡ በለ። ካብኡ ኸይዱ ኸኣ ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ንሱ ቐቅድሚኡ ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ ገይሩ ኼሕርስ ከሎ ረኸቦንሱ ኸኣ ምስቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ እዩ ዝነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሐሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ። ንሱ ኸኣ ነቶም ኣብዑር ሐዲጉደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፡ በጃኻ፡ ነቦይን ነደይን ስዒመስ፡ ደድሕሪኡ ኽስዕበካ፡ ፍቐደለይ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ እንታይ እሞ ገይረካ እየኪድ ተመለስበሎ። ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ተመሊሱ ኸኣጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ሐረዶም፡ ነቲ ስጋኦም ድማ በቲ ናውቲ እቶም ኣብዑር ኣብሲሉነቶም ህዝቢ ሀቦምበልዑውንተንሲኡ ደድሕሪ ኤልያስ ከይዱ ኸኣ የገልግሎ ነበረ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 21:25 | 5 Helpful votes

ሰበይቱ ኢዛቤል ትድርኾ ነበረት እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባርሲ፡ ከም ኣከአብ ገይሩ እተሸጠ ኣይነበረን።

Translation | Context
2ይ ነገስት 9:30-37 | 4 Helpful votes

ኢዛቤል ድማ የሁ ናብ ይዝርኤል ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔትኣዒንታ ተዂሒላርእሳ ኸኣ ተሰሪሓ ብመስኰት ኰይና ትጥምት ነበረት። የሁ ብደገ ምስ ኣተወ ድማ፡ ኣታ ዚምሪ ቐታል ጐይታኡደሓን ዲኻ፧ በለቶ። ንሱ ኸኣ ገጹ ናብ መስኰት ኣንቃዕሪሩምሳይ መን አሎ፧ መን፧ በለ። ሽዑ ኽልተ ሰለስተ ስሉባት ናብኡ ኣቢሎም ግልጽ በሉ። ንሱ ድማ፡ ኣጽድፍዋበለኣጽደፍዋ እሞ፡ ካብቲ ደማ ናብ መንደቕን ናብ ኣፍራስን ተነጽገረጊጽዋ ኸኣ ሐለፈምስ ኣተወ ድማ፡ በሊዑን ሰትዩን። በጃኹም፡ ነዛ ርግምቲ እዚኣ ርአይዋ፡ ንሳ ጓል ንጉስ እያ እሞ፡ ቅበርዋበለኪቐብርዋ ከኣ ኸዱ፡ ግናኸ ብጀካ ቐረንትቀራን ኣእጋርን ግናዕ ኣእዳዋን ገለ እኳ ኣይረኸቡላንተመሊስም ድማ ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ ብባርያኡ ኤልያስ ቲስቢታዊንስጋ ኢዛቤል ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ሬሳ ኢዛቤል ድማ፡ እዚኣስ ኢዛቤል እያ፡ ዚብል ክሳዕ ዘይርከብኣብ ልዕሊ ግራት ይዝርኤል ከም ድዂዒ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር እዩ፡ በለ

Translation | Context
1ይ ነገስት 19:1 | 4 Helpful votes

ኣከኣብ ድማ እቲ ኤልያስ ዝገበሮ ዂሉን ንዂሎም ነብያት ከኣ ብሴፍ ከም ዝቐተሎምን ንኢዛቤል ነገራ

Translation | Context
2ይ ነገስት 9:7 | 4 Helpful votes

ኣነ ኸኣ ደም ባሮተይ ነብያትን ደም ዂሎም ባሮት እግዚኣብሄርን ካብ ኢድ ኢዛቤል ሕነ ኽፈድስንቤት ጐይታኻ ኣከኣብ ከተጽንታ ኢኻ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 21:23 | 4 Helpful votes

ብዛዕባ ኢዛቤልውን እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረቦንኢዛቤል ኣብ ጸግዒ መከባብያ ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም።

Translation | Context
ሮሜ 12:9 | 4 Helpful votes

ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ

Translation | Context
2ይ ነገስት 9:10 | 3 Helpful votes

ንኢዛቤል ድማ ኣብ ቃድራ ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም፡ ዚቐብራ ከኣ የልቦን፡ በለ። ማዕጾ ኸፊቱ ድማ ሀደመ

Translation | Context
1ይ ነገስት 18:13 | 3 Helpful votes

በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዝቐተለትሉ ጊዜ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ሚእቲ ሰብ በብሓምሳ ገይረ ኣብ በዓቲ ሐቢኤ እንጌራን ማይን ከም ዝመገብክዎምሲ፡ እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ንጐይታይዶ ኣይነገሩኻን እዮም፡

Translation | Context
1ይ ነገስት 18:4 | 3 Helpful votes

በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዘጽነተትሉ ጊዜ፡ ኣብድያ ሚእቲ ነብያት ወሲዱበብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሐብኦምእንጌራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ።

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 3 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄርጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮእከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካንስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒከናግፎንስመይ ስለ ዝፈለጦከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 9:30 | 2 Helpful votes

ኢዛቤል ድማ የሁ ናብ ይዝርኤል ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔትኣዒንታ ተዂሒላርእሳ ኸኣ ተሰሪሓ ብመስኰት ኰይና ትጥምት ነበረት።

Translation | Context
1ይ ነገስት 21:27-29 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ኣከኣብ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዔክዳውንቱ ቐደደስጋኡ ማቕ ከዱኑ ጾመ፡ ኣብ ማቕ ድማ ደቀሰቀስ ኢሉውን ይኸይድ ነበረ። ሽዑ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ ቲስቢታዊ መጺኡ በሎኣከአብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሐተስ ርኢኻዮዶ፡ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሐተ፡ ነቲ ኽፉእ ብዘመኑ ኣየምጽኦን፡ ነቲ ኽፉእስ ብዘመን ወዱ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ከምጽኦ እየ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 18:19 | 2 Helpful votes

ሕጂ ኸኣ ንብዘሎ እስራኤል ነቶም ኣብ መኣዲ ኢዛቤል ዚበልዑ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነብያት በዓልን ኣርባዕተ ሚእቲ ነብያት ኣስታርተን ልኢኽካ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኣክበለይ፡ በለ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 16:33 | 2 Helpful votes

ኣከአብ ከኣ ኣስታርተ ገበረኣከአብ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዜዀሪ ብምግባሩ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት እስራኤል ገደደ

Translation | Context
1ይ ነገስት 19:2 | 2 Helpful votes

ሽዑ ኢዛቤል ልኡኽ ሰዲዳንኤልያስጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኸም ነፍሲ ሓደ ኻባታቶም እንተ ዘይገይረያስኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒበለቶ

Translation | Context
መዝሙር 51:1-4 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፣ ከም ሳህልኻ ምሐረኒ፣ ከምቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ። ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣ ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። ብዘረባኻ ጻድቕብፍርድኻውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፣ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ

Translation | Context
ያእቆብ 1:1-26 | 2 Helpful votes

ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም አሎ። ኣሕዋተየበበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩምንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ። ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምንክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። እቲ ለጠቕ ዝበለ ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይመካሕ። እቲ ሃብታምውንከም ዕምባባ ሳዕሪ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ብውርደቱ ይመካሕ። ጸሓይ ምስ ዋዒኣ ትወጽእ እሞ፡ ነቲ ሳዕሪ ተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፡ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብመገዱ ኺሐርር እዩ። ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ። ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበልነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰትንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይኣይትስሐቱጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድበዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደናፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን። ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎገበርቲ ቓል ኩኑርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ። ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 9:37 | 2 Helpful votes

ተመሊስም ድማ ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ ብባርያኡ ኤልያስ ቲስቢታዊንስጋ ኢዛቤል ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ሬሳ ኢዛቤል ድማ፡ እዚኣስ ኢዛቤል እያ፡ ዚብል ክሳዕ ዘይርከብኣብ ልዕሊ ግራት ይዝርኤል ከም ድዂዒ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር እዩ፡ በለ

Translation | Context
መዝሙር 1:1-6 | 2 Helpful votes

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትንዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።

Translation | Context